Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ማዕቐፍ ረቂቕ ፖሊሲ ብሄራዊ ስግግር ፍትሒ ዝጠመተ ልዝብ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ማዕቐፍ ረቂቕ ፖሊሲ ብሄራዊ ስግግር ፍትሒ ትኹረት ብምግባር ምስ ፓርቲታት ፖለቲካ ልዝብ ይካየድ ኣሎ።

ጉጅለ ሰብ ሞያ ፖሊሲ ስግግር ንዝሓለፉ 8 ኣዋርሕ ዝተፈላለዩ ክፋላት ንሕብረተሰብ ብምዝታይ ረቂቕ ፖሊሲ ስግግር ፖሊሲ ብምስንዳእ ናብ ሚኒስቴር ፍትሒ ከምዘረከበ ይዝከር።

ኣብቲ ረቂቅ ፖሊሲ ኣብ ተሓታትነት ገበን፣ ገደብ እዋንን እቲ ስግግር ፖሊሲ ንምትግባር ዘድልዩ ሓደሽቲ ትካላትን ተመላኺቶም።

ሰብኣዊ መሰል ተኮር ተግባራት፣ ንዝኾነ ይኹን ዘይምጉዳእ ዓውድ ተኮር ኣተገባብራን ተሓታትነትን እቲ ረቂቅ ፖሊሲ ዝምረሐሎም መምርሒታት ከምዝኾኑ ተሓቢሩ፡፡

ዘላቒ ሰላም፣ እርቂ፣ ልዕልነት ሕጊ፣ ፍትሒን ዴሞክራሲ ዝረጋገፀሉ ባይታ ምፍጣር ዕላማታት እቲ ረቂቅ ፖሊሲ ከምዝኾኑ እውን ተገሊፁ፡፡

ብበረከት ተካልኝ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.