ኣብ ማእኸላት ዕዳጋ ሓሙስን መቐለን ልዕሊ 3 ሺሕን 500 ነበር ተዋጋእቲ ናብ ማሕበረሰቦም ተሓዊሶም
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ማእኸላት ዕዳጋ ሓሙስን መቐለን ልዕሊ 3 ሺሕን 500 ነበር ተዋጋእቲ ናብ ማሕበረሰቦም ከምዝተሓወሱ ብሄራዊ ኮሚሽን ተሃድሶ ኣፍሊጡ።
እቲ ኮሚሸን ኣብ ክልል ትግራይ ይገብሮ ብዘሎ ኣተገባብራ እግሪ ምትካል፣ ዘጋጠሙ ፀገማትን ኣንፈታት ትኹረትን ዝጠመተ ዘተ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ኣካይዱ።
ትልሚ እቲ ኮሚሽን፣ ከይዲ ኣተገባብራ ዲሞብላይዜሽን ኣብቲ መድረኽ ዘቕረቡ ሌተናል ኮሌኔል ጎሳዬ ጥላሁን፥ ክሳብ ሐዚ ብዘሎ ከይዲ ኣብ ማእኸላት ዕዳጋ ሓሙስን መቐለን ለዕሊ 5 ሺሕ ነበር ተዋጋእቲ ሰልጠና ተዋሂቡዎም ኢሎም።
ካብ መንጎ እቶ ሰልጠንቲ እቶም ልዕሊ 3 ሺሕን 500 ስልጠነኦም ብምዝዛም ናብ ማሕበረሰብ ምሕዋሶም ተዛሪቦም።
1 ሺሐን 500 ድማ ኣብተን ማእኸላት ስልጠነኦም ይከታተሉ ኣለዉ ኢሎም።
ምክትል ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ብርጋዴር ጀነራል ደርቤ መኩሪያው ብግደኦም፥ ነቶም ነበር ተዋጋእቲ ዲሞብላይዝ ምግባርን ናብ ማሕበረሰብ ምሕዋስን ስራሕ ኣብ ቀፃሊ ኣብ ማእኸል ዓድዋ ከምዝጅመር ተዛሪቦም።
እዚ ዕውት ንክኸውን ተሳትፎ ማሕበረሰብ ወሳኒ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ነቶም ነበር ተዋጋእቲ መሊስካ እግሪ ንምትካል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ግደኦም ንክዋፅኡ ሓቲቶም።
ምክትል ሓላፊ ኮሚሽን ሃርበኛታት ዞባ ማእኸል ትግራይ ኪሮስ ሃይለ ብግደኦም፥ ዝተጀመረ መሊስካ እግሪ ናይ ምትካል ስራሕ ምስቲ ኮሚሽንን መዳርግቲ ኣካላትን ብምውዳድ በዕዉት መገዲ ንክዛዘም ሓላፍነትና ክንዋፃእ ኢና ኢሎም።
ኣብቲ መድረኽ ዘተ፥ ተወከልቲ ሕብረት ኣፍሪካ፣ ኣመራርሓን ሞያተኛታትን እቲ ኮሚሽንካብ ማእኸላይ ዞባ፣ ከተማ ዓድዋን ኣኽሱምን ወረዳ ዓድዋን ዝተውፃእፅኡ ተወከልቲ ማሕበረሰብ ምስታፎም ኣብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።