ኣብ ማራቶን ኦሳካ ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት ተዓዊቶም
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ጃፓን ኦሳካ ኣብ ዝተካየደ ውድድር ማራቶን ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት ብደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዓወት ቀኒዑዎም፡፡
ብደቂ ተባዕትዮ ውድድር ማራቶን ኣትሌት ይሁንልኝ ኣዳነ ናይቲ ቦታ ሰዓት ብምምምሕያሽ ቀዳማይ ብምውፃእ ተዓዊቱ።
ኣትሌት ይሁንልኝ ኣብቲ ውድድር 4 ሰዓት 5 ደቒቕን 37 ማይክሮ ሰከንድ ብምእታው ኢዩ ተዓዋቲ ኮይኑ፡፡
ብደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን÷ ኣትሌት ዋጋነሽ መካሻ 2 ሰዓት 26 ደቒቕን 33 ሰከንድን ብምእታው ተዓዊታ፡፡
ብካሊእ ዜና ኣብ ሜክሲኮ ጓዳላህራ ኣብ ዝተካየደ ውድድር ፍርቂ ማራቶን÷ ኣትሌት ታዱ ኣባተ 62 ደቒቕን 02 ማይክሮ ሰከንድን ብምእታዊ ቀዳማይቲ ብምዃን ከምዝተዓወተት ካብ ፌዴሬሽን ኣትሌትክስ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት፡፡