Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ማራቶን ለንደን ውፅኢት ዘመዝገቡ ኣትሌታት ኣዲስ ኣበባ እንትበፅሑ ኣቀባብላ ተገይሩሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብብርኪ ፕላቲኒየም ዝተሰየመ ንመበል 40 ግዘ ኣብ ዝተኻየደ ማራቶን ለንደን ውፅኢት ዘመዝገቡ ኣትሌታት ሎሚ መዓልቲ ንጉሆ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም።
እቶም ኣትሌታት ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ድማ ኣቀባብላ ተገይሩሎም።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ኣቀባብላ፥ ተቀዳሚት ምክትል ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኮማንደር ኣትሌት ደራርቱ ቱሉ፣ ፕሬዚዳንት ማሕበር ኣትሌታት ኢትዮጵያ ኮማንደር ኣትሌት ማርቆስ ገነቴን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት እቲ ፌዴሬሽን ኣይተ ቢሊልኝ መቆያን ከምዝተረኸቡ ካብ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ሰንበት ቀትሪ ኣብ ዝተኻየደ ማራቶን ለንደን ኣትሌት ሹራ ቂጣታ ብ2 ሰዓት 5 ደቒቓን 41 ሰከንድን ብምእታው ተዓዋቲ እንትኸውን፥ ኣትሌት ሲሳይ ለማ ድማ ብ2 ሰዓት 5 ደቒቓን 45 ሰከንድን ብምእታው ሳልሳይ ምውፅኡ ይዝከር።

ኣትሌት ሞስነት ገረመው፣ ኣትሌት ሙሌ ዋሲሁንን ኣትሌት ታምራት ቶላ ካብ 4ይ ክሳብ 6ይ ዘሎ ደረጃ ብመሓዝ ውድድሮም ዛዚሞም ኢዮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.