ኣብ ማሓየር ታኒዛኒያ ዝርከቡ 4 ሺሕን 500 ኢትዮጵያውያን ብምሕረት ንክስደዱ ዘኽእል ስምምዕነት ተገይሩ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ሚያዝያ፣2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ማሓየር ታኒዛኒያ ዝርከቡ 4 ሺሕን 500 ኢትዮጵያውያን ብምሕረት ንክስደዱ ዘኽእል ስምምዕነት ከምዝተገበረ ኤምባሲ አትዮጵያ ኣብ ዳሬሰላም ኣፍሊጡ።
እቲ ስምምዕነት ኣምባሳደር ኤምባሲ አትዮጵያ ኣብ ዳሬሰላም ሽብሩ ማሞ ኣብ ኮሚሽን ኢሚግሬሽን ታኒዛኒያ ብምርካብ ምስ ኮሚሽነር እቲ ኢሚግሬሽን ዶክተር ኣና ፒ ማካካላን ኮሚሽነር ቁፅፅርን ምምሕዳርን ዶብ እታ ሃገር ሳሙኤል ማሂራኔ መስተ ዛተዩ ኢዩ ተፈፂሙ።
ኣምባሳደር ሽብሩ፥ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ንምምዕባል ከምዝሰርሑ ተዛሪቦም።
ብመንፅር ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ኣብ ምዕባይ እውን መንግስቲ እታ ሃገር ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ታኒዛኒያ ብምእታው ገበን ተኸሲሶም ኣብ ማሓየር ዘለዉ ኢትዮጵያውያን ብሙሉእ መሕረት ንክገብርን ካብቲ ማሓየር ንክፈትሕን ሓቲቶም።
ብመሰረት እዚ እቶም ኮሚሽነራት መንግስቲ ታኒዛኒያ፥ ኣብ ማሓየር ታኒዛኒያ ዝርከቡ 4 ሺሕን 500 ኢትዮጵያውያን ብምሕረት ንክስደዱ ዘኽእል ቃል ከምዝኣተዉ ካብቲ ኤምባሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።