Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መጓዓዚያ ባቡር ንዝበፅሕ ጉድኣት ዝኽፈል ካሕሳ ብሕጊ ጥራሕ ንክፍፀም ዘኽእል ስምምዕነት ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መጓዓዚያ ባቡር ንዝበፅሕ ጉድኣት ዝኽፈል ካሕሳ ብሕጊ ጥራሕ ንክፍፀም ዘኽእል ስምምዕነት ከምዝተገበረ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ማሕበር ኣክሲዮን ባቡር ኢትዮ-ጂቡቲ ታከለ ኡማ (ኢ/ር) ገሊፆም።

ታከለ ኡማ (ኢ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ መስመር ባቡር ዘቋርፀሎም ክልላት ኢትዮጵያ ንብራት ወይ ተንቀሳቓሲ ነገር “ተገጭዩ” ተባሂሉ ካሕሳ ዝተኸፈለሉ እዋን ኣብ ታሪክ ኣይተመዝገበን፤ ብሕጊ እውን ኣይተደንገገን ኢሎም።

ይኹን አንበር ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ማሕበር ኣክሲዮን ባቡር ኢትዮ ጂቡቲ ብዙሕ ሚሊየን በር ዘየድሊ ብዝኾነ ኣገባብ ካሕሳ እንትኽፈል ፀኒሑ ኢዩ ከብሉ ገሊፆም።

ከምዚ ዝበለ ግቡእ ዘይኮነ ኣብ መጓዓዚያ ባቡር ንዝበፅሕ ጉድኣት ዝኽፈል ካሕሳ ብሕጊ ጥራሕ ንክፍፀም ዘኽእል ዘተ ምስ ኣመራርሓ ክልላትን ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላትን ከምዝተገበረ ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ ኣብ ምምሕዳር ድሬዳዋ፣ ዓፋር፣ ሱማሌን ኦሮሚያን ግቡእ ዘይኮነ ክፍሊት ካሕሳ ደው ንምባልን ኣዋጅ ትራንስፖርት ባቡር ብመሰረት ዝፈቕዶ ጥራሕ ተግባራዊ ንምግባርን ዘኽእል ስምምዕነት ከምዝተገበረ ሓቢሮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.