Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መደቀሲ ሴኮቱሬ 2 ቡምባ፣ 17 ሽጓጉጥን ካልኦት መሳርሒታት ኲናትን ከምዝተረኸቡ ሰብኣይ ጓሉ ንመጋባእያ ኣረዲኡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ መንበሪ ሰብኣይ ጓሉ ንሴኮቱሬ ኣብነት ኃይሉሸዋ፥ ብተፍቲሽ ዝተረኸበ 2 ቡምባ፣ 17 ሽጓጉጥን ካልኦት መሳርሒታት ኲናትን  ሴኮቱሬ ኣብ መደቀሲኡ ዘቐመጦ እንበር ናተይ ኣይኮነን ክብል ተኸራኺሩ።

እቲ ተጠርጣሪ ኣብ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ኣራዳ ምድብ  ቀዳማይ መጋባእያ ጊዘ ቆፀሮ ቀሪቡ።

ኣባል ምርመራ ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ኣብ ልዕሊ እቲ ተጠርጣሪ ዝሰርሖም ስራሕቲ ምርመራ ነቲ መጋባእያ ገሊፁ።

እቲ ተጠርጣሪ ሃገር ብምኽሓድ ኣብ ልዕሊ እዛ ሃገር መጥቃዕትን ዓመፅን ንክለዓል ካብ ዝሰርሑ ጉጅለታት ፀረ ሰላም ህወሓት ልኡኽ ብምቕባል ይሰርሕ ከምዝነበረ መረዳእታ ኣኪበ ኢየ ከብል ኣረዲኡ።

ብመሰረት እዚ ብዙሓት ስራሕቲ ምርመራ ኣኪበ ኢየ፣ ኣብ መንበሪ እቲ ነተጠርጣሪ እውን ተፍትሽ ብምግባር ክልተ ቡምባ፣ 17 ሸጓጊጢ፣ 30 ፍረ ጥይት ክላሽንን ብዙሓት መሳርሒ ኲናትን ረኺበ ኢየ ከብል ገሊፁ።

ብተወሳኺ ዝረኸቦም መሳርሒታት ኤሌከትሮኒክስ ንምርመራ ቴክኒክ ከምዝለኣኸን ነዝተረፈ ምርመራ ተወሳኺ ጊዘ ምርመራ ንክወሃቦ ሓቲቱ።

እቲ ተጠርጣሪ፥ “ ሴኮቱሬ ናይ በዓልቲ ቤተይ ወላዲ ኢዩ፣ ኣነ ዝነብረሉ ገዛ ቅደም ክብል ብኤጀንሲ ኣባይቲ መነገስቲ ንካሊእ ተዋሂቡ ዝነበረን ኣብ ውሽጢ ዝተዓፀወ መደቀሲ ሴኮቱሬ ኢ ቡንባን እቶም መሳርሒታት ኲናትን ዝተረኸቡ፤ ንዓይ ዝምልከት ኣይኮነን” እንትብል ተኸራኺሩ።

ነቲ ጉዳይ ዝተኸታተለ ችሎት ድማ ንተወሳኺ ምርመራ ንፖሊስ ሸውዓተ መዓልታት ዝፈቐደ እንትኸውን፥ ኣብቲ ችሎት ካልኦት ጉዳያት እውን ርእዩ።

ብታሪክ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.