Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መዝገብ ክሲ እኒ ዶክተር ደብረፂዮን ገብረሚካኤል ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐረቡ 21 ተኸሰስቲ ዝሓተቱዎ ሕቶ ዋሕስ ውድቂ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራሉ 1ይ መጋባእያ ጉዳያት ፀረ ሽብርን ህገ መንግስቲን ኣብ መዝገብ ክሲ እኒ ዶክተር ደብረፂዮን ገብረሚካኤል ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐረቡ 21 ተኸሰስቲ ዝሓተቱዎ ሕቶ ዋሕስ ውድቂ ገይሩ።

እቲ መጋባእያ ኣብ መዝገብ እኒ ዶክተር ደብረፂዮን ገብረሚካኤል ንሎሚ መዓልቲ ሒዙዎ ዝነበረ ትእዛዝ ሂቡ፡፡

ኣብቲ መዝገብ ክሲ 58 ውልቀ ሰባትን ኣርባዕተ ትካላትን ብገበን ግብረ ራዕዲ ከምዝተኸሰሱ ይፍለጥ፡፡

ካብ ሞንጎ እዚኣቶም 11 ነሓሰ 2013 ዓ.ም ብዝነበረ መጋባእያ እቶም 21 ተኸሰስቲ ብኣካል ቀሪቦም ክሲ ዝተነበበሎም እንትኸውን፥ ሕቶ ዋሕስ ንኽሕለወሎም ኣመልኪቱ፡፡

ኣብ ልዕሊ እቶም ተኸሰስቲ ዝተመስረተ ክሲ ዋሕስ ዝኽልክል ስለዝኾነ፥ ዓቃቢ ሕጊ ዝተፈላለዩ ዝርዝር ሓሳባት ብምልዓል ተኻቲዑ፡፡

እቲ መጋባእያ ብክትዕ ኽልቲኡ ወገን ንሎሚ መዓልቲ ትእዛዝ ንመሃብ ዝሓዞ ቆፀሮ መሰረት ብምግባር ተኸሰስቲ ናብ መጋባእያ ምምፃእ እነተይ ኣድለዮም ኣብ ቤት ህንፀት ቃሊቲ ኮይኖም ትእዛዝ ንኽፅበዩ ብምባል ኢዩ ልሎሚ ቆፂሩ ዝነበረ፡፡

ቤት ፍርዲ ናይ ክልቲኦም ወገናት ክትዕ ሕቶ ዋሕስ መርሚሩ ሕቶ ዋሕስ ውድቂ ገይሩዎ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.