ኣብ መዝገብ ክሲ ነበር መኮንናት ሰራዊት ምክልኻል 1ይ ተኸሳሲ ህይወቱ ምሕላፉ ስዒቡ ኣብ ካልኦት ተኸሰስቲ ምስክራት ዓቀብቲ ሕጊ ንምስማዕ ተለዋጢ ቆፀሮ ተዋሂቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መዝገብ ክሲ ነበር መኮንናት ሰራዊት ምክልኻል 1ይ ተኸሳሲ ሜጀር ጀኔራል ገብረመድህን ፍቃዴ(ወዲ ነጮ) ህይወቱ ምሕላፉ ስዒቡ ኣብ ካልኦት ተኸሰስቲ ምስክራት ዓቀብቲ ሕጊ ንምስማዕ ተለዋጢ ቆፀሮ ተዋሂቡ።
ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ምድብ ልደታ 3ይ መጋባእያ ፀረ ገበን ግብረ ራዕዲን ሕገ መንግስታዊ ጉዳያትን ንሎሚ መዓልቲ ተታሒዙ ብዝነበረ ተለዋጢ ቆፀሮ ዝተረፉ መሰኻኽር ዓቃቢ ሕጊ ንምስማዕ ተሰይሙ ዝተረፈ 7ይን 17ን መሰኻኽር ዓቃቢ ሕጊ ቃሎም ንመሃብ ተረኺቦም ቃለ ማሕላ ፈፂሞም ነይሮም።
ይኹን እምበር ቤት ህንፀት ፌዴራል 1ይ ተኸሳሲ 24 ሚያዝያ 2014 ዓ.ም ሃንደበት ህይወቶም ምሕላፉ ንቤት ፍርዲ ብዝፀሓፎ ደብዳቤ ኣፍሊጡ።
እቶም ቀዳማይ ተኸሳሲ 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ሬድዮ ርክብ ሰራዊት ምክልኻል እዚ ሰሜን ብምቁራፅን መሳርሒታት ሬድዮ ንወታደራዊ ጉጅለ ህወሓት ኣሕሊፎም ሂቦም ተባሂሎም ብዓቃቢ ሕጊ ክሲ ቀሪቡሎም ኣብ ቤት ህንፀት ፌዴራል ቃሊቲ ኮይኖም ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ልደታ ምድብ 3 ገበን ጉዳያት ፀረ ግብረ ራዕዲን ሕገ መንግስታዊን እናቐረቡ ጉዳዮም እናተኸታተሉ ነይሮም።
ሃንደበታዊ ሕልፈት ቀዳማይ ተኸሳሲ ስዒቡ ድማ ኣብቲ መዝገብ ክሲ ዝተኻተቱ ካልኦት ተኸሰስቲን ጠበቓታት ተኸሳሲን ኣስከሬን መዋቲ ኣብ ዘይተቐበረሉ ኩነታት ዓቃቢ ሕጊ ዘስመዐልና ምስክራት ንምክልኻል ዘኽእል ምድላው ስነ ልቦና ስለዘይብልና ተለዋጢ ቆፀሮ ይወሃበና ምስ መዋትቲ እውን ዝፀንሐ መሳርሕቲን ምሕዝነትን ዝነበረና ስለዝኾንና ዓጃቢ ተመዲቡልና ኣብ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ንኽንርከብ ንቤት ህንፀት ፌዴራል ደብዳበ ይፀሓፈልና ክብሉ ሓቲቶም።
ዓቃቢ ሕጊ እውን ብሕልፈት 1ይ ተኸሳሲ ዝተሰመዖ ሓዘን ብምግላፅ፥ ነቲ ተለዋጢ ቆፀሮ ከምዘይቃወም ብምሕባር ተኸሰስቲ ዓጃቢ ተመዲቡሎም ኣብ ስነስርዓት ቀብሪ ንርካብ ዘቕረቡዎ ሕቶ ግን ዝተለመደ ስለዘይኮነን ንድሕንነት ዘስግእ ስለዝኾነን ከምዘይተቐበሎ ካብ ሚኒስቴር ፍትሒ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ቤት ፍርዲ ኣብ ቤት ፅሕፈት ድሕሪ ምዝታይ ተኸሰስቲ ኣብ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ንምርካብ ድሌቶም ብፅሑፍ የቕርቡ እሞ ብቤት ፅሕፈት ትእዛዝ ክወሃበሉ ኢዩ” ክብል 1ይ ተኸሳሲ ብሃንደበት ምሕላፎም ስዒቡ ብመሰረት ገበን ሕጊ 214 ክሱ ከምዝተቛረፀን ኣብ ካልኦት ተኸሰስቲ ዝተረፈ ምስክር ዓቃቢ ሕጊ ንምስማዕ ካብ 8 ክሳብ 12 ጉንበት 2014 ዓ.ም ተለዋጢ ቆፀሮ ሂቡ።
ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።