Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ጅማ ዝተፈጠረ ሓደጋ የለን – ኣይተ ካሳሁን ጎፌ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መስከረም፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ጅማ ዝተፈጠረ ሓደጋ ከምዘየለ ሚነስትር ዲኤታ ትራንስፖርት ኣይተ ካሳሁን ጎፌ ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር ዲኤታ፥ ዝተወሰኑ መራኸብቲ ሓፋሽ ወፃኢን ማሕበራዊ ሚዲያታትን ትማሊ ድሕሪ ሰዓት ኣብ ኤርፖርት ጂማ ሓደጋ ምፍንጃር ኣጋጢሙ እቲ ኤርፖርት ከምዝተዓፀወ እናገለፁ ከምዝኾነ ተዓዚብና ኢና ኢሎም፡፡

ኤርፖርት ጅማ ስሩዕ ኣገልግሎት ትራንስፖርት እናሃበ ከምዝርከብ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ፥ ዘጋጠመ ዝኾነ ይኹን ነገር ኣይነበረን፤ የለን ኢሎም፡፡

እቲ ዝተጋውሐ ፀብፃብ፥ ምንም ተኣማኒ ሓበሬታ ብዘይመሓዝ ዝተሰርሐን ፍፁም ሓሶትን ከምዝኾነ እውን ገሊፆም፡፡

ስለዝኾነ እቲ ተግባር ካብ ሓቂ ዝረሓቐን ናይ ሕሶት ዜናታት ብምፅብፃብ ሕብረተሰብ ንኽርዕድን ስግኣት ንኽህልዎን ዝደሊዩ ኣካላት ዝፈጠሩዎ ሽርሒ ስለዝኾነ፥ ኩሉ ኣካል ተገንዚቡ ስሩዕ ምንቅስቓስ ትራንስፖርት ከይተኣጓል ኣተሓሳሲቦም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.