Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መዋስንቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ጥቡቅ ክትትል ቫይረስ ኮሮና ይካይድ ኣሎ – ምምሕዳር ዞባ ደቡብ ምብራቕ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መዋስንቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ጥቡቅ ክትትልን ምክልኻልን ቫይረስ ኮሮና እናተኻየደ ምዃኑ ቤት ፅሕፈት ፀጥታን ምምሕዳርን ዞባ ደቡብ ምብራቕ ክልል ትግራይ ገሊፁ።

ኦቦ ገረብ ኣይተ ደረጀ ገብረሚካኤል ኮሮና ቫይረስ ናብ ሃገርና ካብ ዝኣቱ ክልል መንግስቲ ዘውፀኦ ኣዋጅ ምኽልኻል ካብን ናብን እናተግበርዎ እዩም።

ምኽትል ቤትፅሕፈት ፀጥታን ምምሕዳርን ዞባ ደቡብ ምብራቅ ኣይተ ኣበራ ገብረኢየሱስ፥ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ብክልል ኣምሓራ ዝመፅእ ኣብ ከተማ ፊናርዋ፣ ብክልል ዓፋር ዝኣቱ ድማ ኣብ ኣሸጎዳ ቁፅፅር ይግበር ኣሎ።

ብቀጠንቲ መንገዲ ዝኣትዉ ወገናት ብወገን ክልል ዓፋር ከምዝነበሩ ዝገለፁ እቶም ምኽትል ሓላፊ፥ ሓይሊ ሰብን መፈተሺ ናቑጣ ብምውሳኽን ቁፅፅር ይግበር ከምዘሎ ኣብሪሆም።

ብምኽንያት ቀብሪ ኣብ ገለገለ ወገናት ምድንጋራት ይረኣይ ከምዝረኣዩን ከምዚ ዓይነት ክፍተታት ከይፍጠሩ እቲ ቤት ፅሕፈት መፍትሒ ኣቀሚጥሉ ከምዘሎን ገሊፆም።

እቶም ምክትል ሓላፊ፥ ሐዚ እውን ትኹረት መላእ ትኹረት ሕብረተሰብ ኣብ ምክልኻል ቫይረስ ኮሮና ክኸውን ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ብዮናታን ግዛቸው

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.