ኣብ መንጎ ኣፍሪካን ሩሲያን ዘሎ ኩለ መዳይ ምትሕብባር ንምጥንኻር ተስማዕሚዕና- ፕሬዚዳንት ፑቲን
ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መንጎ ኣፍሪካን ሩሲያን ዘሎ ኩለ መዳይ ምትሕብባር ንምጥንኻር ተስማዕሚዕና ክብሉ ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ገሊፆም።
እቶም ፕሬዚዳንት፥ ሩስያን ኣፍሪካን ዘለወን ምትሕብባር ኣብ ኢኮኖሚ፣ ንግዲ፣ ቴክኖሎጂ፣ ህንፀት መሰረተ ልምዓት፣ ትምህርቲን ጥዕናን ምጥንኻር ኣብ ዘኽእሉ መገዲታት ውፅኢታዊ ዘተ ከምዝተሳለጠ ተዛሪቦም።
ምዝዛም ጉባኤ መራሕቲ ኣፍሪካን ሩሲን ስዒቡ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ኣብ መንጎ መንገስቲ ሩሲያን ሃገራት ኣፍሪካን ብዙሓት ስምምዐነታት ከምዝተፈፀሙ ሓቢሮም።
ኣፍሪካ ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕማ ክብ ንምባል ዝሕግዙ ብ1 ነጥቢ 8 ቢሊየን ሩብል ዝትግበሩ ሸሞንተ ፕሮጀክትታት ብመንግስቶም ዕላዊ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
እዚኦም ክሳብ 2026 ዓ.ም.ፈ ንምትግባር ዘኽእል ናይ ሓባር ትልሚ ከምዝተዳለወ ገሊፆም።
ኣኽራሪነትን ግብረ ራዕዲን ብሓባር ንምውጋእ፣ ሰላምን ምርግጋዕን ንምርግጋፅ፣ ውሕስነት ምግቢ ንምርግጋፅን ሓደጋታት ክሌማዊ ለውጢ ንምክልኻልን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሉ ስምምዕነታት ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።
ጉባኤ ሩሲያ ኣፍሪካ በቢሰለስተ ዓመቱ ከምዝካየድ እቶም ፕሬዚዳንት ኣፍሊጦም።
ብወንደሰን ኣረጋኸኝ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።