Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ጎንፂ ንምውላዕ ዝሰርሑ ኣካላት ካብ ተግባሮም ክቑጠቡ ይግባእ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ጎንፂ ንምውላዕ ዝሰርሑ ኣካላት ካብ ተግባሮም ክቑጠቡ ይግባእ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣተሓሳሲቦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ህዝብታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ብዙሓት ፈተናታት እናተጋፈጡ ኣብ ዘለውሉ ኩነታት ስኑዕ ሓበሬታታት ብምውዛዕ ዕላማ ፖለቲከኦም ንምዕዋት ዝፅዕሩ ከምዘለዉ ሓቢሮም።

እቶም ኣካላት ኢትዮጵያን ኣብ ከባቢ ዶብ ሱዳንን ወተሃደራታ ኣፀጊዓ ኢያ ዘብል ስኑዕ ሓበሬታ ይውዝዑ ከምዘለዉ ገሊፆም።

እዚ ድማ ሕውነታዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ዘሐርፍፍ ብምዃኑ ኢትዮጵያ በፅኑዕ ከምእተውግዞ ኣገንዚቦም።

ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘሎ ጉዳይ ብዘተ ከምዝፍታሕ እምነቶም ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.