Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ጣሊያንን ስምምዕነት ሓገዝ 1 ነጥቢ 5 ሚሊዮን ዩሮ ተኸቲሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ጣሊያንን ስምምዕነት ሓገዝ 1 ነጥቢ 5 ሚሊዮን ዩሮ (82 ነጥቢ 53 ሚሊዮን ብር) ተኸቲሙ።

እቲ ሰነድ ስምምዕነት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ጣሊያን ኢዩ ተፈሪሙ።

እቲ ሓገዝ ኢንዳስትሪታት ኣፍረይቲ ምግቢ፣ ኣብ እዋን ዕዳጋን ምድላውን ምግቢ ዘጋጥም ሕፅረት ምግቢን ምጉዳል ንፅህናን ብምክልኻል ውሕስነት ምግቢ ንምርግጋፅ ዝተትሓዘ ፕሮጀከት ዝውዕል ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብቲ ዓውዲ ዝተዋፈረ ሓይሊ ሰብን ቤተ ፈተነን በምጥንኻር ፅርየት መግብን ምጉዳል ንፅህናን ንምክልኻል ዘኽእል ብሄራዊ ቁፅፅር ስርዓት ንምዝርጋሕ ዘኽእል ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣብ 25 ዋና ዋና ከተማታት እዛ ሃገር ተግባራዊ ከምዝግበር ድማ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ሰነድ ስምምዕነት ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ ወ/ሮ ሰመሪታ ሰዋሰውን ኣምባሳደር ጣሊያን ኣብ ኢትዮጵያ ሚስተር አጎሲቲኖ ፓሌሴ ክታሞም ከምዘንበርሉ ካብ ሚኒስቴር ገንዘብ ፌዴሪኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.