Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መተከል ሰላም ንምንጋስ ዝሰርሕ ዘሎ ዝተዋደደ ግብረ ሓይሊ ኣብ መንጎ ህዝብታት ስነ ስርዓት ዕርቀ ሰላም የካይድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መተከል ሰላም ንምንጋስ ዝሰርሕ ዘሎ ዝተዋደደ ግብረ ሓይሊ ኣብ መንጎ ህዝብታት ስነ ስርዓት ዕርቀ ሰላም የካይድ ኣሎ።

ኣብቲ ዞባ ክሳብ ሐዚ ኣብ ወረዳታት ቡለን፣ ጉባ፣ ግልገለ በለስ፣ ዳንጉር፣ ድባጤ፣ ወንበራ፣ ፓዌን ማንዱራን ህዝብታት ዘቀራርብ ኮንፈረንስታት ተኻይዱ ኣሎ።

እቲ ዘጋጠመ ፀገም ፀፅታ ብህዝብታት እንተይኮነስ ብናይ ሓይሊታት ፀረ ሰላም ሽርሒ ከምዝኾነ በቶም ተሳተፍቲ ኮንፈረንስ ከምዝተገለፀ ተሓቢሩ።

ብተመሳሳሊ ክሳብ ሐዚ ኣብ 18 ጣቢያታት ወረዳ ድባጤ፣ ፓዌን መንዱራን ስነስርዓት ዕርቀ ሰላም ከምዝተኻየደ ተሓቢሩ።

ምክትል ኣዛዚ ምዕራብ እዚን ኣባል እቲ ኮማንድ ፖስትን ብርጋዴር ጄኔራል ኣለማየሁ ወልዴ፥ ህዝቢ ዞባ መተከል ኩሉ ሰብ ተደጋጊፉ ዝነብረሉ ከምዝኾነ ኣብቲ ስነ ስርዓት ዕርቂ ገሊፆም።

ድሕረ ሐዚ ባዕልኻ ንባዕልኻ ብምጉድዳእ ለውጢ ኣይመፅእን ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.