Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መበል 37 ጉባኤ እቲ ሕብረት ካብ 1 ሺሕ ዝበልፁ ሰብ ሞያ መራኸብቲ ሓፋሽ ሽፋን ከረክብ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 37 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወፃኢን ዝነብሩ ካብ 1 ሺሕ ዝበልፁ ጋዜጠኛታት ሽፋን ሚዲያ ክህቡዎ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ተሓቢሩ።

መበል 37 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ካብ 9 ክሳብ 10 ለካቲት 2016 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ኢዩ፡፡

በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ እውን እቲ ኣኼባ ዝፅብፅቡ ናይ ውሽጢ ሃገርን ወፃኢን ጋዜጠኛታት መእተዊ ባጅ ከምዝረኽቡ እናተሰርሐ ምዃኑ ኣፍሊጡ፡፡

ናብ ኢትዮጵያ ንዝመፅኡ ኣካላት ሚዲያ ወፃኢ መብፅሒ ቪዛ ንምትዕርራይን ንሞያ መሳርሒኦም ስራሕቲ ከስተም ክሊራንስ ንምውጋን ድማ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ጉምሩኽ፣ ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ባጅ ሴንተር ከምኡ እውን ኣብ ዋና ቤት ዕዮ በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ 24 ሰዓት ግልጋሎት እናተውሃበ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

እቲ በዓል መዚ ሕብረት ኣፍሪካ ኣባል ኮሚቴ ኣመዓራረዪ ብሄራዊ ጉባኤ ብምዃን እናተሳተፈ ዝርከብ እንትኸውን÷ እቲ ጉባኤ ብዕዉት ኩነታት ንኽዛዘም ልዑል ሽፋን ሚዲያ ንኽረክብን ብዙሓት ተግባራት እናወገነ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ክሳብ ሕዚ ብዘሎ ከይዲ ምዝገባ ድማ ልዕሊ 350 ናይ ውሽጢ ሃገርን ን550 ናይ ወፃኢ ጋዜጠኛታትን ምዝገባ ተኻይዱ ከምዝተገበረ ካብቲ በዓል መዚ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት፡፡

ኣብ ዝተረፉ እዋናት እውን ተመዝገብቲ ቁፅሪ ኣካላት ሚዲያ ከምዝውስኽ ኣብ ግምት ዘእተወ ምድላው ከምዝተገበረ እቲ በዓል መዚ ኣፍሊጡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.