Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መቐለ ብ6 ቢሊየን ብር ወፃኢ ኢንዱስትሪ መፍረዪ ሓፂነ መፂን ክህነፅ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምትሕብባር ሰብ ሃፍቲ ኢትዮጵያን ቻይናን ኣብ ከተማ መቐለ ብ6 ቢሊየን ብር ወፃኢ ዝግበረሉ ኢንዱስትሪ መፍረዪ ሓፂነ መፂን ከምዝህነፅ ተገሊፁ።

ኣብ ውሽጢ 10 ኣዋርሕ ዝሀርነፅ እቲ ኢንዱስትሪ መፍረዪ ሓፂነ መፂን÷ ሎሚ መዓልቲ መርሃ ግብሪ ምጅማር ስራሕ ተገይሩ።

ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ጌታቸው ረዳ÷ ብምትሕብባር ዝህነፅ “ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር ኢንዱስትሪ ሓፂነ መፂን ሌጀንድ ንብዙሓት መናእሰይ ዕድል ስራሕ ዝፈጥር ብምዃኑ ኣድላዪ ሓገዝ ክግበረሉ ኢዩ” ኢሎም።

ካልኦት ብውልቀን ብማሕበር ዝተወደቡ ሰብ ሃፍቲ ነዚ ፕሮጀክት ልምዓት ብኣብነት ተኸቲሎም ብምልማዕ ንባዕሎምን ሃገሮን ክጠቕሙ መልእኽቲ ኣመሐሳላሊፎም።

እቲ መፍረዪ ሓፂነ መፂን 75 ሚኢታዊ ብኢትዮጵያዊ በዓል ሃፍቲ ኢንጂነር ያሬድ ተስፋይ ዝተሸፈነ እንትኸውን÷ ዝተረፈ 25 ሚኢታዊ ድማ ብቻይናዊ በዓል ሃፍቲ ሊ ዮን ከምዝተሸፈነ መተሓባበሪ እቲ ፕሮጀክት ኣይተ ሳምሶም ገብረመድህን ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር ኢንዱስትሪ ሓፂነ መፂን ሌጀንድ÷  6 ሺሕ ንዝኾኑ ወገናት ዕድል ስራሕ ከምዝፈጥር እውን ተዛሪቦም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.