ኣብ መሸጢ ዋጋ ፍሪያት ነዳዲ ወሰኽ ተገይሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሚያዝያ ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ዓለም ለኸ ፍሪያታት ነዳዲ ልዑል ወሰኽ መሸጢ ዋጋ ምግባሩ ስዒቡ ኣብ መሸጢ ዋጋ ፍሪያት ነዳዲ ወሰኽ ተገይሩ።
ሚኒስቴር ንግዲን ቀጣናዊ ምትእስሳርን ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ፥ካብ ፅባሕ 30 ሚያዚያ 2014 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ መሸጢ ዋጋ ፍሪያት ነዳዲ ወሰኽ ተገይሩ ኣሎ ኢሉ።
መንግስቲ ኩነታት ናብራ ሕብረተሰብ ተሓሳቢ ብምግባር ካብ 30 ታሕሳስ 2014 ዓ.ም ጀሚሩ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ምንም ዓይነት ወሰኽ ዋጋ እንተይገበረ ቢኒዚን ብሊትሮ 31 ብርን 74 ሳንቲምን፣ ናፍጣ ድማ ብሊትር 28 ብርን 98 ሳንቲምን ንክሽየጥ ወሲኑ ፀኒሑ ኢዩ።
ይኹን እንበር እቲ ውሳነ ኣብ መረጋግዒ ፈንድ ነዳዲ ኣብ ወርሒ ብማእኸላይ ናብ ተረባሒ ምትሕልላፍ ዝነበሮ 10 ቢሊየን ብር ጉድለት ንክምዝገብን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ልዑል ፅዕንቶ ምስዓቡን ኣረዲኡ።
ኣብ ወርሒ ሚያዚያ ካብ ዕዳጋ ዓለም ዝተገዝኣሉ መሸጢ ዋጋ ተሓሳቢ ብምግባር ብቐጥታ ተሰሊሑ ኣብ ተግባር እንተዝውዕል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓደ ሊትሮ ናፍጣ መሸጢኡ 73 ብር፣ ሓደ ሊትር ቤንዚን መሸጢ ዋጋ 66 ብርን 78 ሳንቲምን ክኸውን ከምዝነበረ ተገሊፁ።
ይኹን እንበር እዛ ሃገር ዘላትሉ ኩነታት ተሓሳቢ ብምግባር ካብ ዕዳጋ ዓለም መሸጢ ዋጋ ኣፈላለይ 85 ሚኢታዊ ዝኸውን መንግስቲ ብምሽካም 15 ሚኢታዊ ንተጠቀምቲ ንክተርፍ ብምውሳን ኣብ መሸጢ ዋጋ ፍሪያት ነዳዲ መጠነኛ ክለሳ ከምዝተገበረ ኣፍሊጡ።
ብመሰረት እዚ ካብ ፅባሕ 30 ሚያዚያ 2014 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፍሪያት ነዳዲ መሸጢ ዋጋ ቤኒዚን ንሓደ ሊትሮ 36 ብርን 87 ሳንቲምን፣ ፃዕዳ ላንባ ንሓደ ሊትሮ 35 ብርን 43 ሳንቲምን፣ ኬሮሲን ብሊትር 35 ብርን 43 ሳንቲምን፣ ቀላል ፀሊም ናፍጣ ብሊትር 52 ብርን 45 ሳንቲምን፣ ከቢድ ፀሊም ናፍጣ ብሊትር 51 ብርን 78 ሳንቲምን ከምኡውን ናይ ኣውሮፕላን ነዳዲ ብሊትር 78 ብርን 87 ሳንቲምን ንክኸውን ተወሲኑ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።