Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መርሃ ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ  ሎሚ ሸሞንተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ አብ ዝሳለጥ መርሃ ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ  ሸሞንተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም።

ብመሰረት እዚ ማንቼስተር ዩናይትድ ምስ ሳውዝሃምፕተን ሰዓት 8፡30 ኣብ ስታዲየም ሴንት ሜሪ ከምዝረኻቡ እቲ መርሃ ግብሪ ይገልፅ።

11 ሰዓት ድማ፥  ማንቼስተር ሲቲ ምስ ብሬንትፎርድ፣ ሊቨርፑል ምስ ኖቲንግሃም ፎረስት፣ ብራይተን ምስ ኢፕስዊች ታውን፣ ክሪስታል ፓላስ ምስ ሌስተር ሲቲ፣ ፉልሃም ምስ ዌስትሃም ዩናይትድ፣ ኣስቶንቪላ ምስ ኤቨርተን ክጫወቱ ኢዮም።

ምሸት ሰዓት 4፥ ቼልሲናብ ስታዲየም ቫይታሊቲ  ብምኻድ ምስ ቦርንማውዝ ጨወተኦም ከምዘካይዱ ዝወፅአ መርሃ ገብሪ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.