Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መሪሕ ቃል ሕብረት ኣፍሪካ 2024 ጠሚቱ ዝተሰናደአ መድረኽ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መሪሕ ቃል ትምህርቲ ሕብረት ኣፍሪካ 2024 ጠሚቱ ዝተሰናደአ መድረኽ ኣብ ዋና መቐመጢ እቲ ሕበረት አኣብ ኣዲስ ኣበባ ሳለጥ ኣሎ።

እቲ መድረኽ ኤጀንሲ ልምዓት ሕብረት ኣፍሪካ (ኣውዳ-ኔፓድ)ንኮሚሽንሕብረት ኣፍሪካን ምስ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኸ ትካላትን መሓዙት ልምዓትን ብምትሕብባር ዝተሰናደአ ኢዩ።

“ንመበል 21 ክፍለ ዘመን ዝምጥን ኣፍሪካዊ ምስርምሃር፤ ዘይብድሁ ስርዓታት ትምህርቲ ብምህናፅ ኣብ ኣፍሪካ ኩለመዳይ፣ ናይ ህይወት ዘበን፣ ፅሬትን ግቡእነት ዘለዎ ተበፃሕነት ትምህርቲ ምስፋሕ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ መድረኽ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ከሳብ 16 ነሓሰ 2016 ዓ.ም ዝፀንሕ መርሃ ግብሪ ምኽባር÷ ትምህርቲ፣ ቴክኖሎጂን ዓለም ለኸ ምትሕብባርን ንልምዓት ኣፍሪካ ኣብ ዘለዎ ኣበርክቶ ዘድሀበ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ተበፃሕነት፣ ፅሬትን ማሕበራዊ ረብሓ ዘለዎን ዘይብዳህ ስርዓት ትምህርቲ ኣብ ኣፍሪካ ምህናፅ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ምይይጥ ከምዝግበር ምግላፁ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ብፍላይ ሰብ ስራሕ ምስትውዓልን ዓለም ለኸ ምሕዝነታትን ንዕቤት ላዕለዋይ ብርኪ ትምህርቲ ዘለዎም ኣስተዋፅኦ ኣብቲ መድረኽ ከምዝድህሰስ ተሓቢሩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.