Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መላእ ዓለም ብኮቪድ-19 ዝተለኸፉ ሰባት ቁፅሮም ካብ 3 ሚሊየን ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሚያዚያ፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ)ብብርኪ ዓለም ለኸ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ቁፅሮም ካብ ሰለስተ ሚሊየን ከምዝሓለፈ ተገሊፁ።

መዓልታዊ ፀብፃብ ቫይረስ ኮሮና ወርልድኦሜተር ከምዘመላኸቶ፥ ቁፅሪ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት 3 ሚሊየን 4 ሺሕን 116 ከምዝበፅሕን ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ድማ ናብ 207 ሺሕን 94 ክብ ክብ ከምዝበለን ተረጋጊፁ ኣሎ።

በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ዝነበሩ 882 ሺን 770 ሰባት ከምዝሓወዩ እውን እቲ ፀብፃብ ኣፍሊጡ።

ኣብ ኣሜሪካ ምርመራ ላቮራቶሪ ካብ ዝተግበረሎም 5 ነጥቢ 4 ሚሊየን ሰባት 987 ሺሕን 322 ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ከምዝተለኸፉ ዝተረጋገፀ እንትኸውን፥ ካብ ውሽጢ እዚኣቶም ድማ እቶም 55 ሺሕን 415 ሰባት ህይወቶም ክሓልፍ ክኢሉ ኢዩ።

ብምኽንያት እቲ ቫይረስ፥ ኣብ ስፔን 226 ሺሕን 629 እንትልከፉ 23 ሺሕን 190 ህይወቶም ሓሊፉ ኢዩ።

ኣብ ጣሊያን 197 ሺሕን 675 ተለኺፎም 26 ሺሕን 644 ሰባት ድማ ህይወቶም እንትልፍ፥ ፈረንሳይ 22 ሺሕን 856፣ ብታኒያ 20 ሺሕን 732 ዜጋታታተን ስኢነን ኢየን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.