Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መላእ ትግራይ ዝተኸበረ በዓል ጥምቀት ብሰላም ምሕላፉ ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳርን ክልል ትግራይ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ መላእ ትግራይ ዝተኸበረ በዓል ጥምቀት ብሰላም ምሕላፉ ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳርን ክልል ትግራይ ገሊፁ።

እቲ ቢሮ፥ እቲ በዓል ብሰላም ንኸሓልፍ ልዑል ኣስተዋፅኦ ንዝነበሮም ክፋላት ሕብረተሰብ ምስጋና ኣቕሪቡ።

“ከምቲ ወትሩ ሎሚ እውን ኣብ መላእ ክልልና ዝተኸበረ በዓል ጥምቀት ብሰላም ክሓልፍ ካባኹም ዝድለ ዘበለ ኩሉ ንዘበርከትኩም ኩልኹም የቐንየልና” ብምባል ገሊፁ።

መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን፣ ህዝባዊ ምልሻን ነበርቲ ኩለን ከባቢታት ክልል ትግራይን ብሙሉኦም ብውዳበታቶም ኣቢለሎም ኣብ ጎኒ ኣካላት ፀጥታ ሰሚሮም ንዝሰርሑዎ ዘኹርዕ ስራሕ ምስጋና ከምዝግበኦም እውን ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳርን እቲ ክልል ገሊፁ።

“ሕዚ እውን ኣብ ውሽጥና ንዝርአ ይኹን ካብ ደገ ንዝመፅእ ናይ ሰላምናን ደሕንነትናን ፈተናታት ከም ልማድና ተናቢብናን ተወሃሂድናን ክንምክቶ እንትንፅውዕ ነቲ ኩሉ ጊዜ ዝሰርሕ ህዝብና ብምትእምማን እዩ” ብምባል ፃወዒቱ ኣቕሪቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.