Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሕርሻ ወሰን ክልል ሶማሌ ዝተረኸበ ፍርያት ዘስድምም እዩ ቀ/ሚ ኣብይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሕርሻ ወሰን ክልል ሶማሌ ዝተረኸበ ፍርያት ኣዝዩ ዘስድምም እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚንስተር ኣያ ኣሕመድ ገሊፆም፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ዞባ ፋፈን፤ ክልል ሶማሌ ብዘመናዊ መንገዲ እናፍረዮ ዘሎ ሕርሻ ስርናይ ኣድሂቦም ዑደት ገይሮም፡፡

እቲ ኩታ ገጠም ሕርሻ ልዕሊ 8 ሚሊየን ኩንታል ፍርያት እታዎት ዝህብ እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ከምዝግበር ገሊፆም፡፡

“እዙይ ድማ ቅድሚ ሐዚ ተረሲዖም ዝነበሩ ከባብታት ናብ መፍፍርያይነት ምምዕባሎም ከም መርኣያነት ዝለዓል እዩ” ክብሉ ሓቢሮም፡፡

“ተታሒዞም ዘለዉ ምቀስቓሳት ክጠናኸሩን ክስፋሕፍሑን ይግባእ፤ ኣተሓሳስባናን ተግባራትናን ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ መፍርያይነት ልምዓትን ከድህቡ ይግባእ” ክብሉ እውን ተዛሪቦም፡፡

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብቲ ክልል ኣስታት 127 ሽሕ 277 ሄክታር መሬት ብፍርያት ስርናይ ከምዝተሸፈነ ተገሊፁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.