Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሕሉፍ ዝረአናዮ ዓንቀፍቀፍ ከይዲ ሰላም ከይድገም – ዶ/ር ኣብርሃም በላይ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)”ኣብ ሕሉፍ ዝረአናዮ ዓንቀፍቀፍ ከይዲ ሰላም ከይድገም” ክብሉ ሚኒሰስትር ምክልኻል ዶክተር ኣብርሃም በላይ ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር ኣብ ማሐበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ ውሳነ ሰብ ከምዘድልዮን ኣርሒቑ ዝጥምት መሪሕነት ከምዝጠልብን ኣብሪሆም።

ብተደጋጋሚ ዝተርኣዩ ዕድላት ሰላም ብጉድለት ዓርሰ እምነትን ትዕቢት ዝተመልኦ ስሑት ዓርሰ ግምት ከምዝፈሸሉን ከምኡ እውን ጉድኣት ከምዘስዓቡ እቶም ሚኒስትር ገሊፆም።

“ሐዚ ዘሎ ባህጊ ህዝብና ዝኾነ ዕድል ስምምዕ ሰላም ግሁድ ክኸውን፣ ናብ መሬት ክወርድ ጀሚሩ ኣሎ” ዝበሉ ዶክተር ኣብርሃም÷ “በቢ ግንባሩ ዝነበሩ ዕጡቓት ምትሕውዋስን ስጋኻንዓኻ ምብህሃልን ከምዝጀመሩ ይረአ ኣሎ” ኢሎም።

ኣብ ሃይሃይታ ስራሕቲ ዓፂድ፣ ናዕሪን ኩልሳስን እውን ኢዶም ሓዊሶም ህዝቦም እናሓገዙ ከምዝርከቡ እውን ገሊፆም።

ብምዃኑ እቲ ዝተጀመረ ከይዲ ሰላም ብዘላቕነት ውሑስ ንኅኸውን ኩሉ ፈታዊ ህዝቡን ዓዱን ክረባረብን ብውሕሉል መገዲ ንኽሕግዝን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.