ኣብ ሓደ ፀሓይ 500 ሚሊየን ፈልሲ ንምትካል ዘኽእል 361 ሺሕን 415 ሄክታር መሬት ተዳሊዩ ከምዘሎ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሓደ ፀሓይ 500 ሚሊየን ፈልሲ ንምትካል ዘኽእል 361 ሺሕን 415 ሄክታር መሬት ተዳሊዩ ከምዘሎ ሚኒስቴር ሕርሻ ኣፍሊጡ።
ሚኒስትር ዴኤታ እቲ ሚኒስቴር ፕሮፌሰር እያሱ ኤልያስ፥ እቶም ፈልስታት ንምትካል 9 ሺሕ 500 ናይ መትከሊ ቦታታት ከምዝተሓረዩ ተዛሪቦም።
ኣብቲ ዕለት ዝግበር ተኸላ ብቐጥታ ፈነወ ንማሕበረሰብ ዓለም ተበፃሒ ንምግባር ናይ ካርታን ምድላው ዌብ GREENLEGACY.ETን ከምዝተገበረ ሓቢሮም።
ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ምስ ኢንስቲትዩት ስፔስ ሳይንስ ብምትሕብባር እቶም ቦታታት ከምዝተሓረዩን ካርታን ዌብን ብምምዕባል ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወን ፕሮፌሰር እያሱ ተዛሪቦም።
ኣብቲ ዕለት ልዕሊ 25 ሚሊየን ሰብ ኣብ ተኸላ ፈልሲ ከምዝሳተፍ አውብ ገሊፆም።
ዜጋታት ወፂኦም ኣሰሮም ንከንብሩ እቶም ሚኒስቴር ዲኤታ ፃውዒት ምቅራቦም ግዜኢ ፀብፂቡ።
10 ሓምለ 2015 ዓ.ም ኣብ ሓደ ፀሓይ 500 ሚሊየን ፈልስታት ንምትካል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ፃውዒት ምቕራቦም ይዝከር።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።