Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሓደ ስነ-ስርዓት ናይ መርዓ መልሲ ቡምባ ተፈንጂሩ ኣብ ልዕሊ 15 ሰባት ጉድኣት ኣብፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዞባ ሰሜን ሸዋ ወረዳ ሞረትን ጅሩን ኣብ ሓደ ስነ-ስርዓት ናይ መርዓ መልሲ ቡምባ ተፈንጂሩ ኣብ ልዕሊ 15 ሰባት ጉድኣት እንተብፅሕ ናይ ሓደ ሰብ ህይወት ሓሊፉ።

ሓላፊ ክፍሊ ኮሙዩኒኬሽንን ሚዲያን መምርሒ ፖሊስ እቲ ዞባ ኮማንደር ተስፋዬ ግዛቸው ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝበሉዎ፥ እቲ ሓደጋ ምፍንጃር ትማሊ ምሸት ከባቢ ሰዓት 5 ዋሻ ኣብ ዝበሃል ጣቢያ ኢዩ ኣጋጢሙ።

ንመልሲ መርዓተ ተፀዊዖም ዝነበሩ ዕዱማት ኣብቲ ምድላው እናጨፈሩ እናሃለዉ ካብ ሓደ ውልቀሰብ ጁባ ዝወደቐ ናይ ኢድ ቡምባ ተነኻኺኡ ክፍንጀር ክኢሉ ኢዩ።

በፍንዳታው የአንድ ሰው ህይወት ወዲያውኑ ሲያልፍ፥ ሌሎች 15 ሰዎች ላይ የተለያየ መጠን ያለው ጉዳት ደርሶባቸው በደነባ ሆስፒታልና በደብረ ብርሃን ኮምፕሪሄንሲቭ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል የህክምና እርዳታ እየተደረገላቸው ነው ብለዋል

እቶም ጉድኣት ዘጋጠሞም ሳባት ኣብ ሆስፒታል ደነባን ኮምፕሪሄንሲቭ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ደብረብርሃንን ሓገዝ ሕክምና እናተገበረሎም ምዃኑ እቶም ሓላፊ ገሊፆም።

እቲ ቡምባ ሒዙ ዝተረኸበ ውልቀሰብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ ምርመራ እናተገበረሉ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።

ብሰላም ኣሰፋ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.