Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሓደ መዓልቲ ብዘጋጠሙ ክልተ ናይ ጃልባ ሓደጋታት 11 ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ጠረፍ ባሕሪ ጣልያን ትማሊ ብዘጋጠሙ ክልተ ሓደጋታት ጃልባ ብውሑዱ 11 ሰባት ህይወቶም እንትሓልፍ ልዕሊ 60 ናብ ዝኣተዉዎ ከምዘይተፈለጠ ተገሊፁ፡፡

ኣብ ጥቓ ደሴት ላምፔዱሳ እናተገጓዓዘት ዝነበረት ጃልባ ብዘጋጠማ ሓደጋ ምጥሓል ናይ 51 ተጓዓዝቲ ህይወት ከድሕን ዝኸኣለ ትካል ገባሪ ሰናይ ጀርመን፥ ኣብ ታሕተዋይ ክፋል እታ መርከብ 10 ኣስከሬናት ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ሓደ ስደተኛ ንግዚኡ ካብቲ ሓደጋ ምስተረፈ ድሕሪ ሒደት ፃንሒት ህይወቱ ከምዝሓለፈ እቲ ትካል ገሊፁ፡፡

እታ ሓንቲ ጃልባ ካሊቢያ ተላዒላ÷ ካብ ሶሪያ፣ ግብፂ፣ ፓኪስታንን ባንግላዲሽን ዝመፅኡ ስደተኛታት ኣሳፊራ እናተጓዓዘት ከምዝነበረት ኣብ ትሕቲ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዘለዉ ዝተፈላለዩ ትካላት ኣፍሊጦም፡፡

እታ ካሊእ ጃልባ ድማ ኣብ ደቡባዊ ጣልያን ካብ ትርከብ ጠረፍ ባሕሪ ካላብሪያ ብ125 ማይል ርሕቐት ሓደጋ ከምዘጋጠማ ተገሊፁ፡፡

ካብ ክልቲኦም ሓደጋታት ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 60 ሰባት ዝኣተዉዎ ከምዘይፍለጥ ጉጅለ ሰብ ሞያ ሕክምና ዶብ ኣልቦ ገሊፆም፡፡

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2014 ብባሕሪ እናተጓዓዙ ዝነበሩ ልዕለ 23 ሺሕን 500 ስደተኛታት ህይወቶም ከምዝሓለፈን ናብ ዝኣተዉዎ ከምዘይተፈለጠን ንሓበሬታ ውሕመ ብምፅራሕ ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.