Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሓበራዊ ፀብፃብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሂዩማን ራይትስ ዎችን ቅዋም መንግስቲ ኢትዮጵያ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሂዩማን ራይትስ ዎችን ዘውፅኡዎን ኣብ ወልቃይት ትኹረት ዝገበረን ፀብፃብ ትሕዝቱኡ ብጥንቃቐ እናመርመረ ይርከብ፡፡ እቲ ፀብፃብ ኣብ ሰብኣዊ መሰል ዝለዓሉ ከበድቲ ጥሕሰታት ካብ ዝበሃሉ ብተወሳኺ ኣብታ ሃገር ዝተለዓሉን ብጥንቃቐ ክረአዩ ዝግበኦምን ፖለቲካዊ ለውጢታት፣ ሰላምን ድሕንነትን፣ ውሽጣዊ ጉዳያት ወሰን ዘካተተ ከምዝኾነ እውን ምግንዛብ የድሊ፡፡ ምፅራይ ዘርኢ፣ ገበን ኲናትን ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ዝፍፀሙ ገበናትን እውን ክሲ ዘቕረበ ፀብፃብ ኢዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝፈፀሙ ኩሎም ተሓተትቲ ንምግባር ቁርፀኛ ኢዩ፡፡ ነዚ ኢዩ ድማ ኢትዮጵያ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰልን ቤት ፅሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብሓባር ዘውፅኡዎ ሓበራዊ ውፅኢት ምርመራ ስዒቡ መንግስቲ ግብረ ሓይሊ ሚኒስትራት ኣጣይሹ ዘሎ፡፡ እቲ ግብረ ሓይሊ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ ካልኣይ ኣኄቡኡ ከይዲ ምርመራ ንምቅልጣፍ ዝተፈላለዩ መምርሒታት ኣውፂኡ ኢዩ፡፡ እቲ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ሚኒስትራት ምርመራን ክሲን ነቲ ነይ ሕዚ ፀብፃብ እውን ግቡእ ትኹረት ብመሃብ ብቐረባ ክምርምሮ ኢዩ።

ክልቲኦም ትካላት እቲ ጉዳይ ንምምርማር ኣብ ዝተጠቐሙሎም ብዙሓት ፖለቲካዊ ጉዳያት ትኽክለኛነት መንግስቲ ሕቶ ኣቕሪቡ ኢዩ፡፡ ፈለማ፣ ውሽጣዊ ጉዳይ ወሰን ክደረአዩ ዝግበኦም ሕገ መንግስታዊ ስልጣን ብዘለዎም ኣካላት ኢዩ፡፡ ኣብ ከምዚ ዝበሉ ጉዳያት መንቃሕቲ ትካላት ፍርዲ ምሃብ ንቕሓት ዝጎደሎ ኢዩ፡፡ ከምዚ ዓይነት ፀብፃቦም ንፖለቲካዊ ሃልኪ ከምዝውዕል እውን ዝተፈለጠ ኢዩ፡፡ እዚ ኣመለኻኽታ ምርመርኡ ብግቡእ ጥንቃቐ ዘይተፈፀመ ምዃኑ ካብ ምርኣዩ ንላዕሊ ፍፁም ተቐባልነት ዘይብሉ ኢዩ።

ብሄር ተኮር ትሕዝቶ እቲ ፀብፃብ እውን ንመንግስቲ ዘተሓሳስቦ ኢዩ፡፡ ንሓደ ወገን ንምሕጓ  ኣብ ዝፍተነሉ እዋን እቲ ውንጀላ ተመጣጣኒ ብዘይኮነ መገዲ ዝኸፋፍል ይመስል፡፡ እዚ ምልከታ ፅኢት ብምቅፅፃል ጥንክርቲ ሃገር ንምህናፅ ዘድልዮ ዕርቂ ዝበለፀ ክርሕቕ ዝገብር ኢዩ።

ስምዒት እቲ ፀብፃብ ቀስቃሲ ስምዒት ተገይሩ ምቕራቡን ኣቀራርባ ፀብፃብ ሚዲያ ምኽታል ናይቶም ምርመራታት ትሕዝቶን ተኣማንነትን ኣብ ውሽጢ ሕቶ ምልክት ዘእቱ ኢዩ።

ብኃሊእ ወገን ንሓደ ጉጅለ ጥራሕ ምኹን ንምኽባር ሰብኣዊ መሰልን ሰላም ንምዕዳልን ኣይጠቅምን፡፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ፀብፃብ ዘለዉ ካልኦት ድኽመታት እውን ብግልፂ ዝረአዩ ኢም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.