Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሓበራዊ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካን ኣውሮፓን ኢትዮጵያ ዘልዐለቶም ሓሳባት ተቐባልነት ረኺቦም ኢዮም – ኣምባሳደር ሂሩት ዘመነ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሓበራዊ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካን ኣውሮፓን ኢትዮጵያ ዘልዐለቶም ሓሳባት ተቐባልነት ከምዝረኸቡ ቀዋሚት ልእኽቲ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ቤልጂም፣ ሉክዘምበርግን ትካላት ኣውሮፓን ሂሩት ዘመነ ገሊፀን።

እተን ኣምባሳደር ቀዳማይ ሚኒትር ኣቢይ ኣሕመድ ጎድና ጎድኒ እቲ ጉባኤ ተረባሕነት ኢትዮጵያ ዘረጋግፁ ውፅኢታዊ ክልተኣዊ ልዝባት ምግባሮም ገሊፀን።

ኣብቲ ሓበራዊ ጉባኤ ኢትዮጵያ ዘልዐለቶም ኩነታት ኣብ ጉዳይ ምሕዝነት ምትሕብባር፣ ኣብ ሰላምን ፀፅታን ድምፂ ኣፍሪካ ብዛዕባ ዝሰመዐሉ ከምኡ እውን መሪሕ ቃል ሕብረት ኣፍሪካ እዚ እዋን ዝምልከቱ ዛዕባታት ተቐባልነት ከምዝረኸቡ ኣብሪሀን።

ርክብ ሕብረታት ኣፍሪካን ኣውሮፓን ኣብ ማዕርነትን ሓበራዊ ተረባሕነትን ዝተደረኸ ምትሕብባር ንኽኸውን ኢትዮጵያ ምሕባራ ተዛሪብን።

ካብዚ ሓሊፉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃገራት ኣብ ዝነበሮም ክልተኣዊ ልዝብ፥ “ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣውሮፓን ዘሎ ርከብ ክጠናኸረሉ ኣብ ዝኽእለሉ ኩነታት ምይይጥ ተገይሩ ኢዩ” ኢለን።

ስለዝኾነ ድማ ንሽዱሽተ ወርሒ ኣቦ መንበር ምስ ዝነበረት ስሎቬኒያን ሕዚ ኣቦ መንበረንቱ ምስ ዝተረከት ፈረንሳይን መራሕቲ ኣብ ርክብ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣውሮፓን ብምድሃብ ከምዝተዛተዩ ኣዘኻኺረን።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዝነበረ ኲናት ኢትዮጵያ ተገዲዳ ዝኣተወቶ ከምዝኾነ ክተገንዝብ ከምዝኸኣለት ምግላፀን ግዚኢ ፀብፂቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.