Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሓበራዊ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካን ሕብረት ኣውሮፓን ዝተሳተፉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ተረባሕነት ኣፍሪካ ዘጠናኽሩ ተግባራት ኣሳሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሓበራዊ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካን ሕብረት ኣውሮፓን ዝተሳተፉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ተረባሕነት ኣፍሪካ ዘጠናኽሩ ዕዉታት ተግባራት ኣሳሊጦም።

ሓበራዊ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካን ሕብረት ኣውሮፓን ኣብ ቤልጂም ብራስለስ እናተኻየደ እንትኸውን፥ ኣብቲ ጉባኤ ተረባሕነት ኣባል ሃገራት ክልቲኦም ሕብረታት ዘድሀቡ ዛዕባታት ኣመልኪቱ ይዝቲ ኣሎ፡፡

ኣብቲ ጉባኤ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ሓዊሱ ብዙሓት መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ ተሳቲፎም፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብቲ ጉባኤ ተረባሕነት ኣፍሪካ ኢሉ እውን ኢትዮጵያ ዘጠናኽሩ ሓሳባት ዘልዐሉ እንትኾኑ፥ ጎና ጎድኒ እቲ ጉባኤ እውን ምስ ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ሓዊሱ ምስ ዝተፈላዩ መራሕቲ ሃገራት ክልተኣዊ ልዝብ ገይተሮም ኢዮም፡፡

ሚኒስትር ዴኤታ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ሰላማዊት ካሳ፥ እቶም ቀዳማይ ሚኒትር ኣብቲ ጉባኤ ብዝገበሩዎ ዘረባ ብፍላይ ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ ዝተጎድአ ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ምድጋፍ ከምዝግባእ ፀዊዖም ኢለን፡፡

እቲ ለበዳ ኣብ ኣፍሪካ ብመንፅር ዘብፀሖ ፅዕንቶ እናተገበረ ዝርከብ ሓገዝ እኹል ከምዘይኮነ ብምሕባር፥ እቲ ሓገዝ ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ምልዓሎም እተን ሚኒስትር ዲኤታ ተዛሪበን።

ብብርኪ ዓለም መካተቲ ዕቤት ንኽመፅእ ስራሕቲ ምትሕብባር ፋይናንስ ንኣፍሪካ ማእኸል ዝገበሩ ንኽኾኑ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣገንዚቦም ኢዮም ኢለን፡፡

ንኣፍሪካ ዝግበሩ ሓገዛት ኣጀንዳ 2063ን ሽቶታት ዘላቒ ልምዓት ንምዕዋት ዘማእኸለ ዝገበሩ ክኾኑ ከምዝግባእ እውን ገሊፆም ኢዮም።

ብመንፅር እዚ ድማ ሕብረት ኣውሮፓ ብፍላይ ኣፍሪካውያን ዝበለፀ ንምትእስሳር ኣብ ዝግበሩ ፃዕሪታት ሓገዝ ንኸርገብር ሓቲቶም ኢዮም ኢለን፡፡

ቀዋሚት ልእኽቲ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ትካላት ቤልጂም፣ ሉግዘምበርግን ኣውሮፓን ኣምባሳደር ሂሩት ዘመነ ብግደአን፥ እቶም ቀዳማይ ሚኒትር ጎድና ጎኒ እቲ ጉባኤ ንተረባሕነት ኢትዮጵያ ዘረጋግፁ ውፅኢታዊ ክልተኣዊ ልዝባት ከምዝገበሩ ገሊፀን፡፡

ምስ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ብምርኻብ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ጭቡጥ ኩነታት ከፍልጡ ከምዝኸኣሉ እውን ኣብሪሀን፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍቲ ጉባኤ ተረባሕነት ኣፍሪካ ኢሉ እውን ኢትዮጵያ ዘረጋግጹ ተግባራት ከምዘሳለጡ ምሕባረን ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.