Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ልዕል ምክትል ኣገልግሎት ብሄራዊ መረዳእታን ድሕንነትን ኣርባዕተ ሰራሕተኛታትን ከቢድ ገበን ክሲ ግዕዚይና ተመስሪቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ልዕል ምክትል ኣገልግሎት ብሄራዊ መረዳእታን ድሕንነትን ተስፋዬ ደሜን ኣርባዕተ ሰራሕተኛታት እቲ ኣገልግሎትን ከቢድ ገበን ክሲ ግዕዚይና ተመስሪቱ።

እቶም ተጠርጠርቲ ብስም እቲ ኣገልግሎት 29 ሺሕን 200 ኩንታል ሲሚንቶ ካብ ክልተ ፋብሪካታት ብምዕዳግ ንውልቀ ሰባት ብምሻጥ ልዕሊ 30 ሚሊየን በር ነውልቀ ረብሐኦም ኣውዒሎም ኢዮም ብዝብል ከምዝተጠርጠሩ ካብ ሚኒስቴር ፍትሒ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እቶም ተጠርጠርቲ ቀዳማይ ተስፋዬ ደሜ ምክትል ኣገልግሎት ብሄራዊ መረዳእታን ድሕንነትን፣ ካልኣይ ኣሸናፊ ተስፋዬ ሓላፊ ዋና ክፍሊ ዕድጊት ኮንስትራክሽንን ሎጂስቲክስን፣ ሳልሳይ ቱጅባ ቀልቤሳን ራብዓይ ሙስጠፋ ሙሳን ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ግቡእ ዘይኮነ ረብሓ ንምርካብ ብምሕሳብ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣዋርሕ 2013ን 2014ን ዓ.ም በቲ ኣገልግሎት ዝኾነ ይኹን ዕድጊት ስሚንቶ ኣብ ዘይተፈፀመሉ ብስሙ ካብ ፋብሪካታት ስሚንቶ ብንኡስ ዋጋ ብምዕዳግን ኣብ ዕዳጋ ብልዑል ዋጋ ብምሻጥን ምጥርጣሮም ተገሊፁ።

ብሓፈሻ እቶም ተኸሰስቲ ብረብሓ ብምምሽጣር ዝኾነ ይኹን ድልየት ዕድጊት ኣብዘየለወሉ ብስም እቲ ኣገልግሎት ብዝፀሓፍዎም ደብዳበታት ካብ ፋድሪካ ስሚንቶ ዳንጎቴን ደርባን ብድምሩ 29 ሺሕን 200 ኩንታል ሲሚንቶ ብምዕዳግ ናብቲ ትካል ኣታዊ እንተይገበሩ ናብ ዕዳጋ ብምውዓል 30 ሚሊየንን 99 ሺሕን 360 ብር ረብሓ በምርካቦም ብቀንዲ ፈፃምነት ገበን ተኻፈልቲ ብምዃን ብዝፈፀምዎ ስልጣን ብዘይኣግባብ ምግልጋል ከቢድ ገበን ግዕዚይና ከምዘተኸሰሱ ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.