Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ልዕሊ 782 ዕጡቓት ኦነግ ሽኔ ስጉምቲ ተወሲዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ክልል ኦሮሚያ ምስ ጉጅለ ህወሓት ብምትሕብባር ጎንፅታት እንትውልዑ፣ ቅንፀላን ውራን እንትፍፅሙ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ 782 ዕጡቓት ኦነግ ሽኔ ስጉምቲ ከምዝተወሰደ መንግስቲ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ጌታቸው ባልቻ፥ መንግስቲ ሰላምን ድሕንነትን እቲ ክልል ንምርግጋፅ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

ኣብ ዞባታት ሆሮ ጉዱሩ ወለጋን ካልኦት ዞባታትን ብሄር መሰረት ዝገበሩ ጎንፂታት ንክውልዑ ብምግባር ቅንፀላ ኣብ ልዕሊ ዝፈፀሙ ተለኣኣኽቲ ጁንታ ህወሓት ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ድማ ኣብሪሆም።

ካብ ወረዳ ክሳብ ጣቢያ ሕጊ ምኽባር ኣብ ዝኣበዮምን ምስ ጉጅለ ኦነግ ሽኔ ብምዃን ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ተግባር ጥፍኣት እንትፍፅሙ ኣብ ዝነበሩን ኣመራርሓ መንግስቲ አውን ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ኣፍሊጦም።

እዚ ድማ መንግስቲ እቲ ክልል ሰላምን ምርግጋዕን ንምርግጋፅ ዓሊሙ ዝፈፀሞ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.