Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ልዕሊ ግብረ ራዕዲ ሸኔ እናተወሰደ ዝርከብ ስጉምቲ ከምዝተጠናኸረ እቲ ወፍሪ ዝመርሑ ላዕለዋይ መኮንን ሰራዊት  ምክልኻል ተዛሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ደቡባዊ ኦሮሚያን ኣዋሰንቲ ከባቢታን ዝተዋፈረ ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ልዕሊ ትሕዝቶ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ዝነበራ ሸውዓተ ጣቢያታት ከልቅቕ ከምዝኸኣለ ነቲ ወፍሪ ዝመርሑ ላዕለዋይ መኮንን ሰራዊት  ምክልኻል ተዛሪቦም።

እቲ ወፍሪ ዝመርሑ ላዕለዋይ መኮንን ከምዝበሉዎ÷ ዕጡቕ ሓይሊ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዘብፀሖ ህዝባዊ ጥፍኣት ብምግታእ ዝተረጋገአ ከባቢ ንምፍጣር እናተሰርሐ ይርከብ፡፡

ኣካል ምድምሳስ ዕጡቕ ሓይሊ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ኣብ ዝኾነን ኣብ ደቡባዊ ኦሮሚያን ኣዋሰንቲ ከባቢታትን ዝተዋፈረ ሰራዊት ምክልኻል÷ ኣብ ትሕቲ ሸኔ ዝነበሩ ብዙሓት ጣቢያታት ከልቅቕ ከምዝኸኣለ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብና ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣብ ደቡባዊ ኦሮሚያ ኣብ ዝርከባ ዞባታት ምዕራብን ምብራቕ ጉጂ ከምኡ እውን ዞባ ቦረና ማእኸል ብምግባር ዝንቀሳቐስ ሰራዊት ምክልኻል ዕዉት ልኡኽቶ እናፈፀመ ከምዝርከብ እቶም ላዕለዋይ መኮንን ኣረጋጊፆም።

ሰራዊት ምክልኻል ብዝገበሮም ዝተፀንዑ ወፍሪታት ንዓመታት ኣብ ትሕቲ እቲ ግብረ ራዕዲ ዝነበራ ሸውዓተ ጣቢያታት ናፃ ምግባር ከምዝኸኣለ ገሊፆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.