Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ልዕሊ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ብዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ እቲ ጉጅለ ይዳኸም ኣሎ-ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ልዕሊ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ብዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ እቲ ጉጅለ ይዳኸም ኣሎ ክብል ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።

ሚኒስትር ዴኤታ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ከበደ ዴሲሳ፥ መንግስቲ ምስ ህዝቢ ብምዃን ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ስጉምቲ ይወስድ ኣሎ ኢሎም።

መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ብዝውሰዶ ዘሎ ስጉምቲ እቲ ጉጅለ ይዳኸም ኣሎ ክብሉ ገሊፆም።

ይኹን እንበር ስኑዕ ሓበሬታታት ብምውዛዕን ነቲ ሓይሊ ጥፍኣት ሽፋን ብምሃብን ኣብ ህዝቢ ምጥርጣር ንክፍጠር ዝገብሩ ውለቀ ሰባት ከምዘለዉ ሓቢሮም።

ኣብ ምዕራብ ወለጋ መጥቃዕቲ ነዝተፈፀመሎም ዜጋታት መንግስቲ ኣድላዪ ሰብኣዊ ሓገዝ  ይገብር ኣሎ እውን ኢሎም።

ዕላማ እቶም ግብረ ራዕዲታት ምስ ባንዳታት ወፃኢ ብምትሕብባር ህዝቢ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ተስፋ ንክቖርፅ ምግባር ኢዩ ኢሎም።

ስለዝኾነ ህዝቢ ኣብ ጎኒ መንገስቲ ብምስላፍ እቲ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ንክሕግዝ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ጎንፂ ብዝምልከት፥ መንግስቲ እቲ ጎንፂ ብሰለማዊ መገዲ ንምፍታሕ ምንቅስቓስ ሰላም ከምዝጀመረን ጉጅለ ተደራዳሪ ሰላም ብምውዳብ ናብ ስራሕ ከመዝኣተወን ተዛሪቦም።

ይኹን እንበር ህወሓት ዝወሰዶ ስጉምቲ ሰላም ዘይምህላዉንን እቲ ጉጅለ ሐዚ እውን ዜጋታት ብምምልማል ናብ ኲናት ንምእታው ይዳሎ ከምዘሎን እቶም ሚኒስትር ዴኤታ ገሊፆም።

እዚ ድማ እቲ ጉጅለ ካብ ኲናት ወፃእ ምንባር ከምዘይኽእል መርኣዪ ኢዩ ኢሎም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.