Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህወሓት እናተወሰደ ዝርከብ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ዝድግፍ ሰልፊ ኣብ ዞባ ምብራቕ ሃረርጌ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ሕዳር ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህወሓት እናወሰዶ ዝርከብ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ዝድግፍ ሰልፊ ኣብ ዞባ ምብራቕ ሃረርጌ ከተማ ሃረማያ ይካየድ ኣሎ።

እቶም ሰልፈኛታት “ ከሓዲ ጉጅለ ህወሓትን ኦነግ ሸኔን ፀላእትና ኢዮም”፣ ሃገራዊ ጉዕዞ ለውጢና በቲ ጁንታን ተለኣኣኽቱን ኣይተዓናቐፍን”፣ ስግብግብ ጁንታ ህወሓት ዝፈፀሞ ገበን ክሕደት ሃገር ንኹንን” ዝብሉ ጭርሖታት እናስምዑ ኣብ ዋና ዋና ጎደናታት እታ ከተና ተዘዋዊሮም።

ጋሻን መኸታን ሉኣላዊነት ዝኾነ ሰራዊት ምክልኻል ብፍልጠት፣ ብሃፍቲን ጉልበትናን ክሳብ መወዳእታ ከምዝድግፉ ምግላፆም ኢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.