ኣብ ልዕሊ ድሕንነት ሃገር ልዑል ጉድኣት ከብፅሑ ዝኽእሉ መሳርሕቲታት ኢንፎርሞሽን ቴክኖሎጂ ተታሒዞም
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ልዕሊ ድሕንነት ሃገር ልዑል ጉድኣት ከብፅሑ ዝኽእሉ ዘይተፈቐዱ መሳርሕቲታት ኢንፎርሞሽን ቴክኖሎጂን መሳርሒታት መጭበርበርቲ ቴሌኮም ከምዝተትሓዙ ኤጀንሲ ኢንፎርሜሽንን መረብ ደሕንነትን ኣፍሊጡ።
እቲ ኤጀንሲ ኣብ 2013 ዓ.ም ጥራሕ ብፍላይ ብጉምሩክ ቅርንጫፍ ኣብያተ ፅሕፈት ሸሞንተ ናይ ቴሌኮም መጭበርበርቲ መሳርሒታት ናብ ውሽጢ ዓዲ ክአትዉ ክብሉ ተታሒዞም፡፡
ብብርኪ ሃገር ክበፅሕ ዝነበረ ልዕሊ 19 ነጥቢ 3 ሚሊየን ብር ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን ኪሳራ ምድሓን ከምዘኸኣለ ናይቲ ኤጀንሲ ሓላፊ መረዳእታን መራኸበብቲን ቴክኖሎጂታት ቁፅፅር ዲቪዥን ኣይተ እሸቱ ቡሬሳ ገሊፆም፡፡
ብተወሳኺ ኣብ 2013 ዓ.ም ልዑል ስግኣታት ድሕንነት ዝኾኑ ብስም 14 ትካላት ዝመፅኡ 49 ድሮናትን ናይ ስለላ ካሜራታትን ናብ ውሽጢ ዓዲ ንከይኣትዉ ከምዝተኸልከሉ ገሊፆም።
ኣብዚ ሐዚ እዋን ናብ ውሽጢ ዓዲ ንከይኣትዉ ክልከላ ካብ ዝተገበረሎም፥ ሲም ቦክስ ፣ ስፓይ ካሜራ፣ ሳተላይት ስልኪ፣ ድሮን ፣ መራኸብቲ ሬዲዮ፣ ወታደራዊ ባይነኩላርን ናይ ቅኝት መሳርሐዒታትን፣ ንሰቪላዊን ወታደራዊን ኣገልግሎት ዝውዕሉ ጂፒኤሳት፣ ብሕቡእ ድምፂ መቕረፂ ማይክራፎናት፣ ዱዋል ባንድ ራዉተር፣ Transmitters (fm) ን vsat ይርከብዎም ኢሎም፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።