ኣብ ልዕሊ ዕጡቕ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣልሸባብ ዝውሰድ ዘሎ ዝተዋደደ ስጉምቲ ብዘኹርዕ ዓወት ተዓጀቡ ይቕፅል ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ልዕሊ ዕጡቕ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣልሸባብ ዝውሰድ ዘሎ ዝተዋደደ ስጉምቲ ብዘኹርዕ ዓወት ተዓጀቡ ይቕፅል ኣሎ ከብል ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።
እቲ ኣገልግሎት ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ ቅድሚ ሒደት መዓልታት “ኣቶ” ኣብ ዝበሃል ቦታ ናብ ክልል ሶማሌ ዞባ ኣፍዴር ኣትዩ ዝነበረ ዕጡቕ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣልሸባብ ብዝተወሰደ ስጉምቲ ኣብዝሓ ኣባላት እቲ ጉጅለ እንትድምሰሱ ተሓቢኦም ዝነበሩ 25 ኣባላቱ ድማ ስጉምቲ ተወሲዱ ኣሎ ኢሉ።
ብዝተገበረ ዝተዋደደ ስጉምቲ ዝተበተነ ሒደት ሓይሊ ዝሓዞ ከቢድ ኣፅዋር ምውድኡን ኣብ ዝረኸቦ ቦታ ንምሕባእ የፍትን ከምዘሎን ተገሊፁ።
እቲ ጉጅለ ሒዙዎ ካብ ዝመፅአ ኣርባዕተ መራኸብቲ ሬዲዮ ክሳብ ሐዚ እተን ሰለስተ ከምዝተማረኻ ተሓቢሩ።
ፌርፌር ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ኣቲዩ ዝነበረ ዕጡቕ እቲ ግብረ ራዕዲ ኣብ ልዕሊ 85 ስጉምቲ ተወሲዱ፤ ተሓቢኦም ዝነበሩ እንትምለሱ ድማ ፌዴራል ሓይሊ ጎረቤት ሃገር ሶማሊያ ዘየዳገም ስጉምቲ ከምዝወሰዱሎም ተእቲ መግለፂ ሓቢሩ።
ዶብ ጥሒሱ ካብ ዝኣተወ ዕጡቕ ሓይሊ ክሳብ ሐዚ እቶም ልዕሊ 209 ብብሓይሊታት ፀፅታ ክልልን ፌዴራልን ከምዝተደምሰሱ ብምግላፅ፥ ቁፅሪ ዝተማረኹ ይፃረ ኣሎ ኢሉ።
እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ብወረዳ ኤልከሬ ኣቢሉ ናብ ክልል ኦሮሚያ ብምእታው ምስ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ንምርኻብ ዝሓሰቦ ትልሚ ሚሉእ ንሙሉእ ከምዝፈሸለ ተገሊፁ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።