Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ልዕሊ ክልከላ ሓበሬታ፣ መራኸብቲ ሓፋሽን ሰብ ሞያታትን ዝበፅሕ ዘሎ ዘሎ ምንግልታዕ ንምፍታሕ ዘኽእለ ረቂቕ መምርሒ ተዳልዩ ናብ ስራሕ ክኣቲ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ልዕሊ ክልከላ ሓበሬታ፣ መራኸብቲ ሓፋሽን ሰብ ሞያታትን ዝበፅሕ ዘሎ ዘሎ ምንግልታዕ ንምፍታሕ ዘኽእለ ረቂቕ መምርሒ ተዳልዩ ናብ ስራሕ ንምእታው መድላዋት ይግበር ከምዘሎ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ዴኤታ እቲ ኣገልግሎት ሰላማዊት ካሳ  ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝገበረኦ ፃንሒት፥ መንግስቲ አብ መራኸብቲ ሓፋሻት ዝስርሑ  ስራሕቲ ምርመራን ሓበሬታታትን ተበፃሕቲ ንምግባር ቆራፅነት ወላኳ እንተሃለዎ ኣብ አወሃህባ ሓበሬታ ካብ ትማሊ ዝተረከብናዮም ፀገማት አለዉ ኢለን፡፡

ሓለፍቲ ስራሕን ትካላትን ኣብ መብዛሕትኡ እዋን ነቲ ቦታ ሓድሽ እየ፤ ኣይምልከተኒን ዝብልን ካልኦት ምክንያታትን ብምቕራብ ንውድቀት መራኸብቲ ሓፋሻት ምክንያታት እዮም ኢለን፡፡

እቲ መምርሒ ድማ ካብ ፌደራል ጀሚሩ ክሳብ ታሕተዋይ ብርኪ ርክብ ኣሰራርሓ ዝፈጥር እዩ ዝበላ እተን ሚኒስትር ዴኤታ፥ ሰብ-ሞያታት ርክብ ህዝቢ ትካላቶም ዘፋልጥሉን ኢሉ እውን ምስ መራኸብቲ ሓፋሻት ዘለዎም ርክብ ዘጠናኽሩሉ ዕድል ከምዝፈጥር እውን አረዲአን፡፡

ብተወሳኺ ድማ ሰብ ሞያታት ርክብ ህዝቢ ብስልጠና ብምሕጋዝ፤ ስራሕቲ ህንፀት ዓቕሚን ካልኦትን ስራሕቲ ንመፃኢ ብትኹረት ከምዝስረሐሎም ኣዘኻኺረን፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.