Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ልዕሊ እቲ ፅንፈኛ ሓይሊ እናተወሰዱ ዝርከቡ ስጉምቲታት ክቕፅሉ ኢዮም – ሌ/ጄ ብርሃኑ በቀለ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ልዕሊ እቲ ፅንፈኛ ሓይሊ እናተወሰዱ ዝርከቡ ስጉምቲታት ከምዝቕፅሉ ዋና ኣዛዚ እዚ ሰሜን ምዕራብን ኣካቢ ኮማንድ ፖስት እቲ ቀጠናን ሌተናል ጄኔራል ብርሃኑ በቀለ ገሊፆም።

እዋናዊ ኩነታት ኣመልኪቱ ኣብ ኣፈፃፅማ ልኡኽ፣ ብዝተረኸቡ ውፅኢታትን ቀፀልቲ ምውፋራትን ብምድሃብ ኣብ ከተማ ጎንደር ዘተ ተኻይዱ።

ሌተናል ጄኔራል ብርሀኑ ኣብ ዝገበሩዎ መደረ÷ ሕብረተሰብ ዘሳተፈ ዝተዋደደ ስራሕ ብምስራሕ እቲ ፅንፈኛ ሓይሊ ትርጉም ናብ ዘይብሉ ደረጃ ምብፃሕ ከምዝግባእ ኣብሪሆም፡፡

ዓቕሚ ኣካላት ኣመራርሓን ውዳበ ፀፅታን ኣብ ምህናፅ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ምግላፆም ካብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣመራርሓ ዞባን ወረዳ ከምኡ እውን ውዳበ ምስ ሕብረተሰብ ብሓባር ብምስራሕ ዝበለፀ ውፅኢት ከመዝግብ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.