Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝተኸከፈተ ኲናት ሓበሬታ ብሓበራዊ ፃዕሪ ድሕንነት ሳይበርን ካልኦት ትካላትን እናተመከተ ይርከብ – ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝተኸከፈተ ኲናት ሓበሬታ ብሓበራዊ ፃዕሪ ድሕንነት ሳይበርን ካልኦት ትካላትን እናተመከተ ከምዝርከብ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ 30 ሰነ 2014 ዓ.ም ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ ኢትዮጵያ ዝተኸፈታ ዝተዋደደ ኲናት ሓበሬታ እናተቓለሰት ከምዝኾት ምግላፆም ይዝከር።

ስለዝኾነ ድማ መንግስቲ እቲ ኲናት ንምምካትን ሕጊ ንምኽባርን እናፈተነ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እቲ ስጉምቲ ተጠናኺ ከምዝቕፅል ኣብሪሆም።

ምስዚ ተተሓሒዙ ምኒስትር ዲኤታ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ሰላማዊት ካሳ፥ ቴክኖሎጂ ብምጥቃምን ትኽክለኛ ሓበሬታ ናብ ህዝቢ ብምብፃሕን እቲ ኲናት ሓበሬታ ንምምካት ሜላ ከምዝተሓንፀፀ ገሊፀን።

ፀላእቲ ኢትዮጵያ ብናይ ሕሶት ሓበሬታ ህዝቢ ንምክፍፋል ዝተፈላለዩ ፃዕሪታት እናገበሩ ከምዝኾኑ ዝሓበረ እተን ሚኒስትር ዲኤታ፥ እቲ ኲናት ሓበሬታ ሃገር ንምፍራስ ገንዘብ ተሰሊዑሉ ብዝተዋደደ መገዲ እናተኻየ ከምዝኾ ኣብሪሀን።

ስለዝኾ ድማ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝተኸከፈተ ኲናት ሓበሬታ ብሓበራዊ ፃዕሪ ድሕንነት ሳይበርን ካልኦት ትካላትን እናተመከተ ከምዝርከብ ምግላፀን ግዜኢ ፀብፂቡ።

ኣበዚ ከይዲ መራኸብቲ ሓፋሽ ኲናት ሓበሬታ ኣብ ምምካት ብፅሒቶም ክዋፅኡ ከምዝግባእ ፃውዒት ኣቕሪበን፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.