Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን እናበፅሐ ዝርከብ ግፍዒ ዝኹንን ሰልፊ ተቓውሞ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢሲ)ኣብ ስዑድ ዓርብ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን እናበፅሐ ዝርከብ ማእሰርቲ፣ ግፍዒን መከራን ዝኹንን ሰልፊ ተቓውሞ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ስዑድ ዓረብ ተኻይዱ።

ኣነ እውን ንወገነይ ድምፂ ኢየ ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ተቓውሞ፥ ኣብ ስዑድ ዓረብ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ህፃናት፣ ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን እናተፈፀሞም ዝርከብ ግፍዒ ደው ንኽብል ሓቲቶም።

ስዑድ ዓረብ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ እናፈፀመቶ ትርከብ ሰብኣዊ ተግባር ጠጠው ብምባል ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ንኽትምልስ ሓቲቶም።

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስዑድ ዓረብ 80 ሺሕ ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ከምዝርከቡ ኢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.