Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ልዕሊ መገዲ ኣየር እናወፅአ ዝርከብ ፀብፃብ ኣካል ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝግበር ዘሎ ፅዕንቶ ኢዩ – ኣይተ ኣባዱላ ገመዳ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብዚ ሰሙን ሲኤንኤን ኣብ ልዕሊ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዘውወፅኦ ዘሎ ናይ ሕሶት ፀብፃብ ኣካል ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝግበር ዘሎ ዓለም ለኸ ፅዕንቶ ከምዝኾነ ኣካቢ ቦርድ እቲ መገዲ ኣየር ኣይተ ኣባዱላ ገመዳ ገሊፆም።

ኣይተ ኣባ ዱላ ንትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ከምዝገለፁዎ፥ ሲኤንኤን ኣብ ልዕሊ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዘውፀኦ ፀብፃብ ሓሶትን ዝተዛብዐን ኢዩ።

እቲ መገዲ ኣየር ዓለም ለኸ ሕጊታት መገዲ ኣየር ሕጊታት ኣኽቢሩ ዝሰርሕ ትካል ከምዝኾነ ዝሓበሩ እቶም ኣካቢ ቦርድ፥ ብዛዕባ እቲ ትካል ዝወፅ ዘሎ ፀብፃብ ኣካል ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝግበር ዘሎ ፅዕንቶ ከምዝኾነ ገሊፆም።

እቲ ፀብፃብ ኩርዓትን መለለዪን ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ዝኾኑ ትካላት ብምፅላም ካብ ዕዳጋ ንምውፃእ ዝግበር ፃዕሪ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.