Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ልዕሊ መሰረተ ልምዓታት ኤሌክትሪክ ባቡር ዝፍፀም ገበን ስርቂ እናተጋደደ ምምፅኡ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቀሊል ባቡር ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልዕሊ ዝተዘርግሑ መሰረተ ልምዓታት ኤሌክትሪክ ባቡር ዝፍፀም ገበን ስርቂ ካብ እዋን ናብ እዋን እናተጋደደ ምምፅኡ መካየዲ ስራሕ ቤት ፅሕፈት መተሓባበሪ ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ቀሊል ባቡረ ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ቢልቱማ ቂጣታ ገሊፆም።

ኣይ ቢልቱማ ከምዝበሉዎ፥ ዝፍፀም ገበን ስርቂ ንኢኮኖሚ ሃገር ንደሓር ዝጎትት ካብ ምዃኑ ንላዕሊ  ኣብታ ከተማ ዘሎ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ባቡር ንኽተኣጓጎል እናገበረ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኣብ በጀት ዓመት 2013 ዓ.ም ጥራሕ ኣብቲ ቀሊል ባቡር ብዝተዘርገሐ መሰረተ ልምዓት ኤሌክትሪክ ልዕሊ 2 ሚሊየን 197 ሺሕ ብር ዝግመት ንውሓቱ 1 ሺሕን 363 ሜትሮ ኤሌክትሪክ ኬብል ስርቂ ከምዝተፈፀመ እውን እቶም መካየዲ ስራሕ ኣገንዚቦም፡፡

ኣብ በጀት ዓመት 2014 ዓ.ም ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘለዉ ኣዋርሕ ድማ ብገንዘብ 18 ሚሊየን 535 ሺሕን 688 ብር ዝግመት ንውሓቱ 11 ሺሕን 345 ሜትሬ ንውሓት ዘለዎ ስርቂ ኬብል ከምዝተፈፀመ ገሊፆም፡፡

በኤሌክትሪክ መሰረተ-ልማት ስርቆት ሲፈፅም የተገኘ ማንኛውም ግለሰብ በሃገሪቱ የወንጀል ሕግ አንቀፅ 669 መሰረት በከባድ ስርቆት ወንጀል ተከሶ ከ15 ዓመት በማይበልጥ ፅኑ እስራት የሚቀጣ ሲሆን፥ እንደወንጀል ድርጊቱ እየተለየ በአማራጭ በኢነርጂ አዋጅ ቁጥር 810/2006 ዓ.ም የወንጀል ቅጣት ድንጋጌዎቹ መሰረት በመሰል ተግባራት ላይ ሲሳተፍ የተገኘ ወይም ተባባሪ የሆነ ማንኛውም አካል በእስራትና በገንዘብ መቀጮ ይቀጣል

ስርቂ ኤሌክትሪክ ኬብል እናፈፀመ ዝተረኸበ ዝኾነ ይኹን ውልቀሰብ ብገበን ሕጊ እታ ሃገር ዓንቀፅ 669 መሰረት ብምግባር ብከቢድ ገበን ስርቂ ተኸሲሱ ካብ 15 ዓመት ብዘይንእስ ፅዕ ማእሰርቲ ዝቕፃዕ እንትኸውን፥ ከከም ተግባር ገበኑ እናተፈለየ ብኣማራፂ ኢነርጂ ኣዋጅ ቁፅሪ 810/2006 ዓ.ም ድንጋገታት ቅፅት ገበን መሰረት ብምግባር ኣብ መሰል ተግባራት እናተሳተፈ ዝተረኸበ ወይ እውን ዝተሓባበረ ዝኾነ ይኹን ኣካል ብማእሰርቲን ብቀንዘብን ከምዝቕፃዕ ምግላፆም ካብቲ ኣገልግሎት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.