Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ልዕሊ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተነበረ ምኽልካል ቪዛ ግቡእ ዘይኮነ ኢዩ – ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ጆ ባይደን ኣብ ልዕሊ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘመሓላለፎ ውሳነ ምኽልካል ቪዛ ኣግባብ ከምዘይኮነ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስቴር ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ ምምሕዳር ፕሬዚዳንት ጆ ባይደን ኣብ ልዕሊ ሓለፍቲ ስራሕ ኢትዮጵያ እገዳ ኢዛ ምንባሩ ገሊፁ፡፡

ምምሕዳር ባይደን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘየድሊ ፅዕንቶ ንምፍጣር ዘመሓላለፎ ክልከላ ቪዛ ግቡእ ዘይኮነን ዘሕዝንን ከምዝኾነ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ዝተመሓላለፈ ውሳነ፥ ኢትዮጵያ ሓበራዊ ኣብ ዝኾኑ ጉዳያት ኣወንታዊን ሃነፅቲን ብዝኾነ መልክዑ ምስ ኣሜሪካ ምስራሕ ኣብ ዝጀመረትሉ እዋን ከምዝኾነ ኣብሪሁ፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ኢትዮጵያ ሓዱሽ ፖለቲካዊ ለውጢ ከምፅእ ኢዩ ተባሂሉ ትፅቢት ኣብ ዝግበረሉ ሃገራዊ መረፃ ንምክያድ ኣብ ዝተቓረበሉ እዋን ዝተወሰነ ውሳነ ከምዝኾነ ፀሪሑ፡፡

6ይ ሃገራዊ መረፃ ኣካታቲ ንዝኾነ ፖለቲካዊ ልዝብ ምዕሩይ ኩነታት ከምዝፈጥር ዝሓበረ እቲ መግለፂ፥ ብመንፅር እዚ “መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓገዝ እምበር ዘየድሊን ኣብ መረፃ ማሕለኻ ዝፈጥር ውሳነ ትፅቢት ኣይግበርን” ኢሉ፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ እዋን ፈተና መሓዛኣ ዝኾነትን ፈታዊትን ሃገር ኣሜሪካ ዘለዋ ናይ ነዊሕ እዋን ርክብ ዘልዓለ እቲ ሚኒስቴር፥ እቲ ምኽልካል ቪዛ ሓዊሱ መሰል ስጉምቲታት ታሪኻዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ክጎድእ ዝኽል ከምዝኾነ ኣገንዚቡ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.