Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ቁማር ካብ ዝፃወት ከይዲ ፖለቲካ ብምውፃእ ቀፃሊ ዕድል ድሕንነት ኢትዮጵያ ምርግጋፅ ይግባእ- ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ቁማር ካብ ዝፃወት ከይዲ ፖለቲካ ብምውፃእ ቀፃሊ ዕድል ድሕንነት ኢትዮጵያ ምርግጋፅ ይግባእ ክብል ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ክሊ ብሄራዊ ምርድዳእ ኣብ ኣዳራሽ ኢኮኖሚክ ኮሚሽን ዘተ ይገብር ኣሎ።

ኣካቢ ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣይተ ሙሳ ኣደም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ከም ሃገር ብሓባር ደው ንምባል መንግስቲ፣ ፓርቲታት ፖለቲካን ህዝብን ትፅቢት ዝግበረሎም ኩሉ ንክዋፅኡ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እቶም ፓርቲታት ምቅርራብን ሓሳብ ዝመርሖ ባህሊ ፖለቲካን ብምምዕባል ፀገማቶም ብሓባር ዝፈትሑ ክኾኑ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

“ዘላትና ሓንቲ ሃገር ኢያ” ዝበሉ እቶም ኣካቢ፥ መንግስቲ ህይወትን ንብረትን ዜጋታት ዘድሕን ልዕልነት ምስ ምርግጋፅ ጎድኒ ንጎድኒ ዜጋታት ንመንግስቲ ብሓሳብን ሰለማዊ ሰልፊን ናይ ምቅዋም መሰሎም ከኽብር ኣለዎ ኢሎም።

ብካሊእ መዳይ ህዝቢ ዓቕሚን ቅዋምን ፓርቲታት ፖለቲካ ብዝግባእ ብምርዳእ ኣብ ሃገራዊ ሓድነቱ ዘንፀላሉ ፖለቲካዊ ሽርሒ መፈፀሚ ካብ ምዃን ክቑጠብ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ፀገም እንተጋጥም ደው ኢሉ ብምሕሳብ ብፅልኣት ፖለቲካ ተደፋፊኡ ቀዋሚ ጉረቤቱን ንብረቱን ካብ ምዕናው ንክቑጠብ እቶም ኣካቢ ሓቲቶም።

“እዚ እንትትግበር ጥራሕ ኢዩ ብሄራዊ ምርድዳእ ኣብ ኢትዮጰያ ተግባራዊ ዝኸውን” ድማ ኢሎም።

እቲ ቤት ምኽሪ፥ ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ቁማር ካብ ዝፃወት ከይዲ ፖለቲካ ብምውፃእ ቀፃሊ ዕድል ድሕንነት ኢትዮጵያ ምርግጋፅ ይግባእ ክብል ብፅኑዕ ኣተሓሳሲቡ።

ውይይቱን የመሩት ዶክተር አረጋዊ በርሄ፣ ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና፣ ሻምበል አማን ኡስማን እና አቶ የሺዋስ አሰፋ ሲሆኑ፤ ከኢትዮጵያ የምስረታ ዘመን እስከ ስርአቶች ዝርጋታ ታሪካዊ – ጥናታዊ የመነሻ ሃሳብ በፕሮፌሰር መረራ አማካይነት ቀርቦ በፖለቲካ ፓርቲ ተወካዮች ውይይት እየተካሄደበት ነው፡፡

እቲ መድረኽ ዘተ ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ፣ ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና፣ ሻምበል ኣማን ዑስማንን ኣይተ የሺዋስ ኣሰፋን ዝመርሕዎ እንትኾኑ፥ ካብ ዘበነ ምስረታ ኢትዮጵያ ክሳብ ዝርገሐ ስርዓታት  ታሪካዊ – መፅናዕታዊ መበገሲ ሓሳብ ብፕሮፌሰር መረራ ቀሪቡ።

እቲ ዝቐረበ መበገሲ ሓሳብ  በቶም ፓርቲታት ፖለቲካ ዘተ ይግበረሉ ኣሎ።

ብሶዶ ለማ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.