Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ልምዓት ቡን ዝተዋፈራ ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፋሉ ዓለም ለኸ ጉባኤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ልዕሊ 33 ሃገራት ዝተውፃእፅኣ ኣብ ልምዓት ቡን ዝተዋፈራ ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፋሉ ዓለም ለኸ ጉባኤ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።

ዕላማ እቲ ጉባኤ÷ ኣብ ልምዓት ቡን ዝተዋፈራ ደቂ ኣንስትዮ ተሳትፎን ተረባሕነትን ከምኡ እውን ኣብቲ ዓውዲ ዝገጥመን ፀገማት ንምፍታሕ ዘኽእሉ ብፖሊሲን ብኣሰራርሓን ኣካቲተን ንኽሰርሓ ኣንፈታት መፍትሒ ዘመላኽት ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ኣብቲ ጉባኤ ብብርኪ ዓለም ካብ ልዕሊ 33 ሃገራት ዝተውፃእፅኡ ኣብ ምትእስሳር እታወት ዝተዋፈራ ደቂ ኣንስትዮ፣ ዕድጊት ቡንን ኣብቲ ዓውዲ ዝዋፈሩ መዳርግቲ ኣካላትን ይሳተፉ ኣለዉ።

ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር) ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኣብቲ ጉባኤ ተሳቲፎም።

እቲ ጉባኤ ንክልተ መዓልቲ ዝፀንሕ እንትኸውን÷ ተሳተፍቲ ኣብ ዝተመረፁ ቡና ዝበቑለለን ከባቢታት ዕደት ከምዝገብሩ ግዜኢ ፀብፂቡ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.