Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሊባኖስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ 18 ሰባት ሓዊሱ 90 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ሊባኖስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ 18 ሰባት ሓዊሱ 90 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ከምዝተመለሱ ቤት ፅሕፈት ቆንስላ ጀነራል ኢትዮጵያ ኣብ ሊባኖስ ኣፍሊጡ።

እቲ ቤት ፅሕፈት ቆንስላ፥ ኣብ ክልተ ኣቢያተ ማእሰርቲ ሊኖስ ተኣሲሮም ዝነበሩ 19 ኢትዮጵያውያን ምስ ኣቢያተ ፍርዲን ኣቢያተ ማእሰርቲን ተዘራሪቡ ከምዘፍተሖምን ካብዚኣቶም ድማ እቶም 18 ሰባት መውፅኢ ቪዛ ተሰሪሑሎም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከምዝተገበረን ገሊፁ።

ብኻሊእ መዳይ ወፃኢ ትራንስፖርት ባዕሎም ክኢሎም ናብ ሃገሮም ንምምላስ ተመዝጊቦም እናተፀበዩ ዝነበሩ ዜጋታት እውን ሰነድ ጉዕዞኦም ብምድላው ካብ ኢሚግሬሽን ሊባኖስ መውፅኢ ቪዛ ክረኽቡ ዝተገበሩ 71 ሰባት ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሶም ተባሂሉ።

ብተወሳኺ ኣብ ውሽጢ ሆስፒታል ሕክምናኣ እናተኸታተለት ዝነበረት ሓንቲ ኢትዮጵያዊት ብምትሕብባር ማሕብ ኮሙዩኒቲ ኢትዮጵያን እቲ ቤት ፅሕፈት ቆንስላ ጀነራልን ሓገዝ እናተገበረላ ፀኒሑ ናብ ሃገራ ክትምለስ ተገይሩ ኢዩ።

ብሓፈሻ ሎሚ መዓልቲ 90 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ከምዝተመለሱ ዝሓበረ እቲ ቤት ፅሕፈት፥ ኩሎም ተመለስቲ ምርመራ ቫይረስ ኮሮና ተገይሩሎም ካብቲ ቫይረስ ናፃ ምዃኖም ምርግጋፁ እውን ኣፍሊጡ።

ብተመሳሳሊ ድማ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ዝቕፅሉ መዓልቲታት 155 ዜጋታት ናብ ሃገሮም ከምዝምለሱ ካብ ቤት ፅሕፈት ቆንስላ ጀነራል ኢትዮጵያ ኣብ ሊባኖስ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.