ኣብ ሆስፒታል ህንዲ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ብውሕዱ 13 ተሓከምቲ ኮቪድ-19 ሀይወቶም ስኢኖም
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ሃገረ ህንዲ ከባቢ ከተማ ሙምባይ ኣብ ዝርከብ ሕሙማት ኮቪድ-19 ዝእለይሉ ሓደ ሆስፒታል ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ብውሕዱ 13 ሕሙማት ሀይወቶም ከምዝሰኣኑ ተሓቢሩ።
እቲ ባርዕ ሓዊ ትማሊ ዘጋጠመ እንትኸውነ፥ ካብቲ ባርዕ ዘጋጠመሉ ክፍሊ ኣርባዕቲ ተሓከምቲ ብህይወት ተሪፎም ኣለዉ።
ህንዲ ብካልኣይ ብርቱዕ ደግሲ ማዕበል ቫይረስኮሮና ኣብ ትሕመሰሉ ዘላ እዩ እዚ ሓደጋ ኣጋጢሙ ተባሂሉ።
ኣብ ህንዲ ብሰንኪ እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ብርቱዕ ማዕበል ለበዳ ቫይረስኮሮና ሕፅረት ኦክስጅን ኣጋጢሙ ከምዘሎን ኣብ ክፍሊ ፅኑዕ ሕሙማት ዓራትን ቬንትለተራትን ኩሉ ተታሒዙ ከምዘሎ እዩ ዝግለፅ ዘሎ።
ህንዲ ብዓርቢ 332 ሺሕን 730 ሓዲሽ መልከፍቲ ከተመዝግብ እንከላ፥ እዚ ቁፅሪ ኣብ 24 ሰዓታት ኣብ ሓንቲ ሃገር ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝተመዝገበ ዝልዓለ ቁፅሪ ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ
ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።
ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!