Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ህንዲ ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ ልዕሊ 90 ሺሕ ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጳጉሜን፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ህንዲ ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ ልዕሊ 90 ሺሕ ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ከምዝተትሓዙ ሚኒስቴር ጥዕና እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ከክሳብ ሕዚ ብብርኪ ዓለም ኣብ ሓንቲ ሃገር ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝተመዝገበ ልኡል ቁፅሪ ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ።

ሚኒስቴር ጥዕና ህንዲ ከምዘገለፆ፥ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ብዘተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ 90 ሺሕ ሰባት ቫይረስ ኮሮና እንትርከቦም ብሓፈሻ ድማ ኣብታ ሃገር በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም ካብ 4 ሚሊየን 160 ሺሕን 493 ሓሊፉ ኣሎ።

ካብ ውሽጢ እዚኣቶም ድማ እቶም 71 ሺሕን 120 ህይወቶም ስኢኖም ኢዮም።

ኣብ ህንዲ በቢመዓልቱ እናተመዝገበ ዝርከብ ቁፅሪ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት፥ ኣብ መበል ካልኣይ ደረጃ ናብ ትርከብ ብራዚል ክትፅጋዕ ይገብራ ኣሎ።

ፍልፍል፦ aa.com

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.