Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ህንዲ ኣብ ህንፀት ዝርከብ መተሓላለፊ በዓልቲ ተጋህሚሱ ልዕሊ 30 ሰራሕተኛታት ኣብ ሓደጋ ምውዳቖም ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ህንዲ ግዝኣት ሂማሊያ ብዘጋጠመ ምግህማስ መሬት ኣብ ከይዲ ህንፀት ዝነበረ መተሓላለፊ መገዲ በዓልቲ ብምግህማሱ ልዕሊ 30 ዝኾኑ ኣብ ህንፀት ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ኣብ ሓደጋ ከምዝወደቑ ተሓቢሩ፡፡

ክፋል እቲ ዝተጋህመሰ በዓልቲ÷ ካብ መእተዊ እቲ በዓልቲ 200 ሜትሮ ርሒቑ ከምዝርከብ ስካይ ኒውስ ፀብፂቡ፡፡

በዓልቲ ዝተጋህመሶም ሰራሕተኛታት ህንፀት ብህይወት ከምዘለዉ ዘርኢ መልእኽቲ ከምዝለኣኹ ዝተገለፀ እንትኸውን÷ ሰራሕተኛታት ምክልኻል ሓደጋን ወለንታውያንን እታ ሃገር ህይወቶም ንምትራፍ እናተረባረቡ ከምዝኾኑ ተገሊፁ፡፡

ህይወት ግዳያት እቲ ሓደጋ ብምትራፍ ፃዕሪ እናተገበረ እንትኸውን ስራሕ እቲ መድሕነ ህይወት ግዘ ክወስድ ከምዝኽእል ተሓቢሩ።

#India #landslide

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.